ብስራት– ሰነ 2020 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ኣብ ኣየናይ ወገን ኢኻ ዘለኻ?
እታ ብዛዕባ ክልተ ሰባት እተዘንቱ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሚዕካያዶ? እቶም ክልተ ሰባት ብኹሉ መገዲ ፍልይ ዝበሉ ነበሩ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ዓለም ጸገም ኣይነበሮን። ጽቡቕ ገይሩ ዝለበሰ፣ ጽቡቕ ገይሩ ዝበልዐን ጽቡቕ ገይሩ ዝነበረን ነበረ። እቲ ድኻ ለማኒ ግና፣ ንምብላዕ ፍርፋር፣ ንምልባስ ጨርቂ፣ ንኣካላቱ ድማ ብቝስሊ ዝመልአ ነበረ።
ግናኸ፣ ምስ ሞቱ ነገራት ብሓቂ ተለወጡ። ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት፣ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብቲ ሓዊ ዝነድድ ስቓይ ሲኦል ረኺቡ ርእሱ፣ እቲ ለማኒ ኣልኣዛር ግና ኣብ ገነት ነበረ። ኣልኣዛር ከሎ እናረኣየ፣ እቲ ሃብታም ሰብኣይ “መልሓሱ ንምቕዝቓዝ” ገለ ማይ ሒዙ ክመጽእ ለመኖ። ግናኸ፣ ኣብ መንጎኦም “ዓቢ መዓሙቝ ተሰሪሑ” ከም ዘሎን ሓደ እኳ ክሰግሮ ከም ዘይክእልን ተነግሮ። ድሕሪ ሞት፣ ኣምላኽ ኣብ መንጎ እቶም ዝድሓኑን እቶም ዝጠፍኡን ንዘለኣለም ክድየብ ዘይክእል ፍልልይ ይገብር!
እዛ ዛንታ እዚኣ ኣብ ሉቃስ 16:19-31(NKJV) ብዛዕባ ሃብትን ድኽነትን ኣይኮነትን። ብሓቂ ብዛዕባ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እያ፣እዚ ድማ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ክጅምር ኣለዎ!
ሃብቲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ኣርሓቖ። ኣብ ህይወትካ ካብ ኣምላኽን ምስኡ ካብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝኸልክለካ ዕንቅፋት ኣሎዶ? እንተድኣ ኣሎ፣ የሱስ ሕጂ እዋኑ ከም ዝኾነ ብንጹር ይብል – እቲ ፍልልይ ንሓዋሩ ቅድሚ ምትራፉ።
ሕጂ እንተ ትመውት፣ኣብ ኣየናይ ወገን ናይቲ “ዓቢ መዓሙቝ” ምኾንካ? ዘክር፣ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወገን ጐይታ እንተ ዘይትኸውን፣ኣብዛ ህይወት እዚኣ ኣብታ እትመጽእ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ! “እንሆ፣ ሕጂ እዩ እቲ ቅቡል ዘመን፣ እንሆ፣ ሕጂ እዩ መዓልቲ ምድሓን” (2 ቈረ. 6:2)።
የሱስ ክርስቶስ ሓጢኣትካ ንኽትእመን ከምኡ’ውን ነቲ ንሱ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ንዓና ምስ ሞተ ህይወቱ ዘኽፈሎ ናጻ ምድሓኑ ንኽትቕበል ይጽበየካ ኣሎ። ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ ኣይተናውሖ። ሕጂ ንዕኡ ተቐበሎ እሞ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ወገን ጐይታ ናይቲ ዓቢ ፍልልይ ክትከውን ኢኻ! ከመይ ጌርና ከም እትገብሮ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፣ንሓደ ወዱ በጃ ሃበ፣ እቲ ዚኣምኖ ዅሉ ምእንቲ ከይጠፍእ፣ የግዳስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ” (ዮሃ. 3:16)።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከም ወንጌል ትራክት ካብ ጸጋን ሓቅን ይርከብ።