ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልአን ክርስቶስ ኵሉ ዝዀኖን ክርስትያን እንታይ ዓይነት ተመክሮታት ክህልዎ ይኽእል? እዚ ጳውሎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ 4 ዓመት ምርኮ ዝጸሓፋ ናይ ሓጐስ ደብዳበ ፊልጲስዩስ እዩ! እሞ ሕሰብዎ!
ኣብ ምዕራፍ ሓደ ፍቕዲ 21 ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ «ንኣይሲ ምንባር ክርስቶስ እዩ፡ ምሟት ድማ ረብሓ እዩ።» እዚ ማለት፡ ክርስቶስ ምሉእ ዕላማ ህይወቱ እዩ። ጳውሎስ ዝገበሮ ኵሉ ብምሕሳብ ክርስቶስ እዩ ዝገብሮ ነይሩ።
ኣብ ምዕራፍ ክልተ ፍቕዲ 5 ከምዚ ይብል፡ «እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይኹን።» ኣብዚ ክርስቶስ ብትሕትናን ብታህዋኽን ዘርኣዮ ኣረኣእያና ኣብነትና እዩ። ክንክተሎ ዘሎና ኣብነት።
ኣብ ምዕራፍ 3፡14 ክርስቶስ ኣብ ክብሪ ዕላማ እዩ። ንሕና ድሮ እናበዝሐና ንዕኡ ንበጽሕ ኣሎና። ምኽንያቱ ንዕኡ ብዝበለጸ ክንፈልጦን ምስኡ ሓድነት ክንሕጐሰሉን ንደሊ ኢና።
ኣብ ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 13 ድማ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ «እቲ ዜበርትዓኒ ብእኡ ኵሉ ክገብር ይኽእል እየ።» ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ንዝዀነ ይኹን ኩነታት ምንጪ ሓይሊ እዩ።
ዕላማ ህይወት፡ ኣብነት፡ ዕላማ ኣብ ክብሪ፡ ምንጪ ሓይሊ - ክርስቶስ ኵሉ ኣብ ኵሉ እዩ!





