ሕቶታት– መጋቢት 2021 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ንመን ኢኻ እትጥምት ዘለኻ?
- ሓደ ሰብ ኣብ እዋን 45 ደቒቕ መልእኽቲ ኽነቅሕ ከም ዘይክእል ምስ ዝዛረብ፣ ግናኸ ኣብ ገዛኡ ኮይኑ ብዙሓት ዜናታት ኬንብብ እንተ ደኣ ጸኒሑ፣ንመን ኢዩ ዚጥምት ዘሎ?
- ሓደ ሰብ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቱ ጥራይ ምዃና ምስ ዝምሕል፣ ግናኸ ንዓሳ ንምግፋፍ ወይ ንምድናይ መዓልቲ ንምሕላፍ ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ተንሲኡ እንተ ደኣ ጸኒሑ፣ንመን ኢዩ ዚጥምት ዘሎ?
- ሓደ ኣፍቃሪ ስፖርት ኣብ ኣኼባ ዘሎ ወንበር ኣዝዩ ደረቕን ዘየመችእን ምዃኑ ምስ ዝገልጽ፣ ግናኸ ን22 ሰባት ኣብ ጭቃ ዝመልኦ መሬት ንሓድሕዶም ኪደፋደፉ ንምርኣይ ኣብ ዝናብ ንሰዓታት ኣብ ደረቕ ወንበር ኪቕመጥ እንተ ደኣ ጸኒሑ፣ንመን ኢዩ ዚጥምት ዘሎ?
- ሓደ ገንዘብ ዘጣጥፍ ሰብ ንዕዮ ጐይታ ብዙሕ ኪህብ ከም ዘይክእል ምስ ዝዛረብ፣ ግናኸ ኣብ ምቹእ ገዛ ዚነብር፣ ክቡር ማኪና ዚዝውር፣ ጽቡቕ ዚበልዕን ስድራቤቱ ብሓደስቲ ፋሽናት ዚኸድን እንተ ደኣ ጸኒሑ፣ንመን ኢዩ ዚጥምት ዘሎ?
- ሓደ ሰብ ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ሕሩቕ ምዃኑ ምስ ዝዛረብ፣ ግናኸ ንሰዓታት ተለቪዥን ኪርኢ ወይ ምስ ኣዕሩኽቱ ኪራኸብ እንተ ደኣ ጸኒሑ፣ንመን ኢዩ ዚጥምት ዘሎ?
ንመንፈሳዊ በረኸትን ኣገልግሎትን ዘለዋ ናይ ህይወት ግዝያዊ ዕድላት ንምጥቃም ብዘይምኽኣልና ምኽንያት ንደሊ ንኸውን፣ ግናኸ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ሓሳብና ምስ እንህብ፣ ምኽንያታትና ሓቂ ኪኸውን ድዩ?
— ጸሓፊ ዘይፍለጥ፣ ካብ “ማውንተንቪውስ፣” የካቲት 1972 እተወስደ።