ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ

ነገረ መለኮት·Sep 19, 2022

196 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
1 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት– ለካቲት 2022 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን

ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ

እዚኸ እንታይ ማለት እዩ?
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥ “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ ኢሉ ንወዱ በጃ ሃበ” (ዮሃ. 3:16 NKJV ).

ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ “ሓጢኣትና ብኣካሉ” ዝጸሮ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና ካብዚ ዝበለጸ ዝገልጽ የለን። (1 ጴጥ. 2:24)። ኣምላኽ ንሓጢኣት ይጸልእ፡ ንሓጥኣን ግን የፍቅር። ንሓጢኣትካ መቕጻዕቲ ኺወስድ ኢሉ ንወዱ ሃበ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኽትርድኦ ትኽእልዶ?

እንታይ እዩ ከም ዝመውት ዝገበሮ?
ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ርኢኻ፡ ኣምላኽ ኣይፈቕረካን እዩ ኽትብል ትኽእልዶ? “ኣምላኽ ግና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሞቱ ፍቕሩ ኣርኣየና” (ሮሜ 5:8)።

ኣብቲ መስቀል ምስ ተሰቕለ እኳ እንታይ ኢሉ? “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” (ሉቃ. 23:34)። ሓጢኣትካ እዩ ኣብ መስቀል ዝሰቐሎ፡ ንሱ ግን ይቕረ ኺብለካ ድሉው እዩ። እዚ ፍቕሪ እዩ!

እንታይ ክትገብር ኢኻ?
ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኽትርስዖ ትኽእልዶ? ብዛዕባ እዚ ሕሰብ፥ “በቲ ወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ” (ዮሃ. 3:36)። የሱስ ፍቕሩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኣብ ሰማይ ገዛን ይህበካ። ነዚ ግሩም ነገራት እዚ ንምቕባል፡ ሓጥእ ምዃንካ ምእማንን ከም መድሓኒትካ ምቕባሉን ጥራይ እዩ ዘድልየካ። ሕጂ ኽትገብሮ ዲኻ? ከመይ ጌርካ ኸም እትገብሮ ኽንነግረካ ንኽእል ኢና።

እዚ ጽሑፍ እዚ ኸም ወንጌል ትራክት ካብ ጸጋን ሓቅን ይርከብ።