ናብ ሰማይ ክትከይድ ዲኻ?

ምድሓን·Dec 3, 2021

226 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ምድሓን
2 ዝተሓተ ንባብ

ናብ ሰማይ ክትከይድ ዲኻ? እንታይ ክገብር ኣሎኒ? ☐ ክሳብ ዝኸኣልኩ ጽቡቕ ክኸውን ☐ ንወለደይ ክእዘዝ ☐ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ ☐ ክጥመቕ ☐ ንኻልኦት ጽቡቕ ግብሪ ክገብር ካብዚኦም ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ከእትወካ ኣይክእልን እዩ። እዚ የገርመካ ድዩ? ኣምላኽ ኩላትና ሓያሎ ሓጥያት ዝበሃሉ ሕማቕ ነገራት ከም ዝገበርና ይነግር፡ “ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገበረ” (ሮሜ 3:23)። መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ሞት እዩ፡ “ደሞዝ ሓጢኣት ሞት እዩ” (ሮሜ 6:23)። ግን ኣምላኽ ኣዝዩ ስለ ዝፈትወካ፡ ወዱ የሱስ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትካ ክወስድ ሞተ፡ “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃበ” (ዮሃንስ 3:16)። ናብ ሰማይ ክትበጽሕ እትኽእለሉ መገዲ የለን። ኣዝዩ ምጽዓርካ እኹል ጽቡቕ ክገብረካ ኣይክእልን እዩ። የሱስ ምእንቲ ሓጢኣትካ ከም ዝሞተ ክትኣምን ኣሎካ። ሓጢኣትካ ይቕረ ክብለካ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ። እዚ ናይ ፍቕሩ ህያብ እዩ። “ብጸጋ ኢኹም ብእምነት ዝድሓንኩም እሞ፡ እዚ ኸኣ ካባኻትኩም ኣይኰነን፡ ህያብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ብግብሪ ኣይኰነን” (ኤፌሶን 2:8,9)። ንሰማይ ድሉው ክትከውን ትደሊ ዲኻ? እንተደኣ ኮይንካ፡ ከምዚ ዝስዕብ ንኣምላኽ ተዛረቦ፡ “ክቡር ጐይታ የሱስ፡ ሓጥእ ምዃነይ እፈልጥ፡ ሓጢኣተይ ንምውሳድ ከም ዝሞትካ እፈልጥ። ሓጢኣተይ ይቕረ ንኽትብለኒን ንሰማይ ድሉው ንኽትገብረንን ኣባኻ እምነት እገብር ኣሎኹ። ምእንታኻ ንኽነብር ከም እትሕግዘኒ እፈልጥ። የቐንየለይ!” የሱስ ከም መድሓኒትካ ምስ ኣመንካዮ፡ ንቓሉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትእዘዝ ክትደሊ ኢኻ። እዚ ንእኡን ንዓኻን ሓጐስ ክፈጥረልኩም እዩ! —ኤል. ኣበርክሮምቢ ✎ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ  The New King James Version , © 1982, Thomas Nelson, Inc. ብፍቓድ። ነጻ ትራክታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽርን ብሕቶ ይርከብ።