ሓሙሽተ ሓቅታት ክትፈልጦም ዘሎካ
ፍርዲ ኣምላኽ
"ሓደ እኳ ጽቡቕ ዝገብር የልቦን … ከመይሲ ዅሎም ሓጢኦም ንኽብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም እዮም" (ሮሜ 3:12, 23)
ፍርዲ ኣምላኽ
"እቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ኺገብር ዘይጸንዕ ዅሉ ርጉም እዩ።" (ገላትያ 3:10)
"እቲ ዘይኣምን ድሮ ተፈርዱ፣ ከመይሲ ብስም እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ኣይኣመነን።" (ዮሃንስ 3:18)
ምድላው ኣምላኽ
"ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃቦ።" (ዮሃንስ 3:16)
"ክርስቶስ ከምቲ ጽሑፋት ንሓጢኣትና ምእንቲ ኺመውት ምዃኑ" (1 ቈረንቶስ 15:3)
"ክርስቶስ ምእንታና ርጉም ብምዃን ካብ መርገም ሕጊ ፈዲዩ ኣውጺኡና እዩ።" (ገላትያ 3:13)
ዕድልካ
"ግናኸ ንዝተቐበልዎ ዅሎም፡ ማለት ነቶም ብስሙ ዚኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።" (ዮሃንስ 1:12)
በይዛ ተስፋኻ
"እቲ ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይርእን እዩ።" (ዮሃንስ 3:36)
"ብኻልእ ኣድሕኖ የልቦን። ምእንቲ ንድሕን ብእኡ ኽንብል ዚግብኣና ኻልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን።" (ግብሪ ሃዋርያት 4:12)