ናብ ሰማይ ከየእትዉኻ 7 ነገራት እዞም ኩሎም ጽቡቓትን ኣገደስትን ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፣ ግናኸ ናብ ሰማይ ከቶ ከየእትዉኻ እዮም! ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ምጥማቕ ትእዛዛት ምሕላው ሃይማኖታዊ ግቡኣት ምፍጻም ጽቡቕ ግብሪ ምግባር ምእማን ጽቡቕ ስነ-ምግባር ምሓዝ የሱስ ብዛዕባ ሰማይ ተዛሪቡ: “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደራት ኣሎ … ኣነ መንገዲን ሓቅን ህይወትን እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ኣይመጽእን።” (ዮሃንስ 14:2,6) “ሓደ እኳ ኻብ ማይ ከይተወልደ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኪርኢ ኣይከኣልን እዩ።” (ዮሃንስ 3:3) የሱስ ንሱ ናብ ኣምላኽ ዝወስድ እንኮ መንገዲ ምዃኑ፣ ሓድሽ ልደት ድማ ናብ ሰማይ ዝወስድ እንኮ መንገዲ ምዃኑ ተዛሪቡ። እንታይ ማለቱ እዩ? “ንዝተቐበልዎ ዅሎም ግና፡ ነቶም ብስሙ ዚኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም፡ እዚኣቶም ከኣ … ካብ ኣምላኽ እተወልዱ እዮም።” (ዮሃንስ 1:12-13) ቀሊል ትርጉሙ፡ ናብ ሰማይ ክትከይድ እንተ ደሊኻ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ብምቕባል (ብምእማን) ውሉድ ኣምላኽ ክትከውን ኣሎካ ማለት እዩ። ሓጥያትካ ንኣምላኽ ተናዘዝ። እመን የሱስ ምእንቲ ሓጥያትካ ከም ዝሞተ። ተቐበል ንየሱስ ከም መድሓኒኻ ኻብ ሓጥያት። ሽዑ ናብ ሰማይ ኣብ መገዲ ክትከውን ኢኻ!
ናብ ሰማይ ከየእትዉኻ ሾውዓተ ነገራት
ምድሓን·Dec 10, 2021
152 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ምድሓን
1 ዝተሓተ ንባብ