ኣብዚ ግዜያት እዚ ንመንፈሳዊ ህይወትን በረኸትን ብሓፈሻ ዘሎ ድርቀት ምኽንያቱ እንታይ እዩ?
እቲ ኣንባቢኹም ኤች.ኢ. ሂዝ ብዙሕ ሕቶታት ይሓትት እዩ፣ እዚ ግን ናይ ኩሎም መሰረት እዩ። ክርስትና፣ ንዓብዪ ቁጽሪ ካብቶም ገና ዝእመንዎ፣ ስነ-ስርዓታዊ ነገር ኮይኑ እዩ፣ ስነ-ስርዓታዊ እንተኾይኑ ድማ ምዉት እዩ፤ ምዉት እንተኾይኑ ድማ፣ ንኻልኦት ምንጪ ህይወትን በረኸትን ኣይኮነን።
እቲ ኣንባቢኹም ዝናፍቖ “ዓብዪ ምትሕድዳስ” ኣብ ውሽጡን ኣብቶም “ብሓፈሻ ዘሎ ድርቀት መንፈሳዊ ህይወትን በረኸትን” ዝስምዓና ኩላትናን ክጅምር ኣለዎ። ንጐይታ፣ ብኣፍና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብልብና ድማ፣ “ጐይታይ፣ እንታይ ክገብር ትደልየኒ?” ክንብሎ ከለና ክጅምር እዩ። ንርእስና ብዘይገደብ ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ እንተዘይኣንቢርና፣ ስነ-ስርዓታውያንን ምዉታትን ንኸውን። “ሓደ ክፋል” ምምጻእን እቲ ዝተረፈ ንርእስና ምሓዝን፣ ንእኡ ኸኣ “ጐይታይ” ምባልን እዩ ንመንፈስ ቅዱስ ዘሕዝኖ፣ ንጸጋዊ ዕዮኡ ኣብ ውሽጥና ዘዕግቶ፣ ንኹሉ ጻዕርታትና ኣብ ኣገልግሎት ድማ ከንቱ ዝገብሮ።
“ክፋል እንተሓዚና”፣ መንፈሳውያን ምዉታት ክንከውን ኢና፣ ከምቲ ኣናንያ ብሓቂ ምዉት ዝነበረ እቶም መንእሰያት “ኣንቢሮም ኣውጺኦም ዝቐበርዎ”። ግናኸ “ኣብ ቤት ለባማት ክድለ ዝግብኦ መዝገብን ዘይትን ኣሎ” (ምሳ. 21:26)። እቶም ለባማት እቶም ጐይታ ኣብ ዮሃንስ 14:23 ዝዛረበሎም እዮም።
ኣቦን ወድን ምስኦም ይነብሩ፣ እዚ ኸኣ ክንደይ ዝደለ መዝገብ እዩ! መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብኡ ብኹሉ በረኸታዊ ኣገልግሎቱ ኣሎ፣ ምኽንያቱ እቲ ዘይቲ ንእኡ ዘመልክት እዩ። እቲ እዚ ሓቂ ዝኾነሉ ድማ “ከምቲ ኣብ ጥቓ ሩባታት ማይ እተተኽለ ኦም፣ ፍሬኡ ብግዜኡ ዜፍሪ፣ ቈጽሉ ኸኣ ዘይሓዊ፣ ዚገብሮ ዅሉ ኸኣ ዚሰልጦ” ክኸውን እዩ። “ኣብ ዓመት ድርቂ ኣይሰግእን፣ ካብ ምፍራይ ፍረ ኸኣ ኣይብኵርን።”
ጄ.ቲ.ኤም.