ኣገልግሎት– ሚያዝያ 2013 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
መሰበኺ መሳርሒ
ንወንጌል ክንምልስ ከለና እንታይ ይኸውን?
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃበ።” — ዮሃንስ 3:16 NKJV
ሮሜ 3:24 ብጸጋ ኣምላኽ ንጸድቕ፡ ቅኑዓት ንኸውን።
ሮሜ 8:1 ብክርስቶስ ፍርዲ የብልናን።
ሮሜ 8:2 ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንወጽእ።
1 ቈረንቶስ 1:2 ብክርስቶስ ንቕደስ፡ ቅዱሳት ንኸውን።
1 ቈረንቶስ 1:30 ብክርስቶስ ጻድቃን፡ ቅዱሳን ከምኡ’ውን ዝተዋሕጁ ኢና።
1 ቈረንቶስ 15:22 ብትንሳኤ ህያዋን ክንከውን ኢና።
2 ቈረንቶስ 5:17 ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ንኸውን።
2 ቈረንቶስ 5:21 ጽድቂ ኣምላኽ ንቕበል።
ገላትያ 3:28 ብክርስቶስ ምስ ኩሎም ካልኦት ምእመናን ሓደ ኢና።
ኤፌሶን 1:3 ብክርስቶስ ብኹሉ መንፈሳዊ በረኸት ንባረኽ።
ኤፌሶን 1:4 ቅዱሳን፡ ንጹሃን፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝተሸፈና ኢና።
ኤፌሶን 1:5-6 ደቂ ኣምላኽ ኴንና ተወሲድና ኢና።
ኤፌሶን 1:7 ተሰሪና ኢና፤ ሓጢኣትና ተኣልዩ እዩ።
ኤፌሶን 1:10-11 ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ክንመጽእ ኢና።
ኤፌሶን 1:13 ብመንፈስ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ምዃንና ተመዝጊብና ኢና።
ኤፌሶን 2:6 ምስ ክርስቶስ ኣብ ክብሪ ክንቕመጥ ተንስእና።
ኤፌሶን 2:10 ፍጥረት ኣምላኽ ኢና።
ኤፌሶን 2:13 ናብ ኣምላኽ ቀሪብና ኢና።
ኤፌሶን 3:6 ብክርስቶስ ኣብቲ ዝተመባጽዐ ውርሻ ንካፈል።
ኤፌሶን 3:12 ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ብናጻን ብምትእምማንን ክንመጽእ ንኽእል።
ኤፌሶን 5:29-30 ኣባላት ስጋ ክርስቶስ፡ ማለት ቤተ ክርስቲያን ኢና።
ቈሎሴ 2:10 ብክርስቶስ ምልኣት ኣምላኽ ተዋሂብና ኢና።
ቈሎሴ 2:11 ካብቲ ሓጢኣተኛ ባህርይና ሓራ ወጺእና ኢና።
2 ጢሞቴዎስ 2:10 ብክርስቶስ ምድሓን፡ ምስ ዘለኣለማዊ ክብሪ ኣሎና።