ቶሚ እቲ ድሙ

ነገረ መለኮት·Nov 21, 2022

316 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
2 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት– ጥቅምቲ 2020 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን

ቶሚ እቲ ድሙ

ህይወት ቶሚ
ቶሚ ኣብ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ዝነብር ድሙ ነበረ። ሓንቲ ማዕበላዊት ለይቲ እታ መርከብ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተሰባበረት። ኣብ ግዜ ምድሓን ቶሚ ተረስዐ። ድሕሪኡ ግን ሓደ ሰብ ንቶሚ ዘኪሩ ንምድሓኑ ብዙሕ ግዜ ፈተነ። እቲ ድሙ ግን ኩሉ ግዜ ሃዲሙ ኣብ ታሕቲ መርከብ ጠፍአ።

እቶም መርከበኛታት ንቶሚ ከድሕንዎ ስለዘይከኣሉ ሓዘኑ። ቶሚ ግን ብዙሕ ዝፈትዎ ምግቢ ኣብ ኩሉ መሬት መብልዕ ስለዝረኸበን ዝሰጎጎ ሰብ ስለዘይነበረን ኣዝዩ ሕጉስ ነበረ። ቶሚ በዓሉ ኣዝዩ ተሓጎሰ – ክሳዕ እታ መርከብ ዝጠሓለትሉን ንሱ ዝጠሓለን!

ህይወትና
ብዙሓት ሰባት ከም ቶሚ እዮም፡ ሕጂ ህይወት ይጥዕሞም እምበር ብዛዕባ ሓደጋታት መጻኢ ፈጺሞም ኣይሓስቡን። ንስኻኸ ከምዚ ዲኻ?

መጽሓፍ ቅዱስ ሓጢኣትና ንሰማይ ዘይበቅዕ ከምዝገብረና ይነግር፡ “ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም እዮም” (ሮሜ 3፡23 NKJV)። ከምኡውን “ንሰብ ሓንሳብ ምሟት ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተሰሪዑሉ እዩ” (እብ. 9፡27) ይብል። ሓደ ሰብ እንተዘይኣድሒኑና ኩላትና ናብ መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ንኸይድ ኣሎና። ከም ቶሚ ዲና – ካብቲ ከድሕነና ዝደሊ ዝሃድም?

ፍቕሪ ኣምላኽ
መጽሓፍ ቅዱስ ናብና ዝተጻሕፈ ደብዳበ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ንሓጥኣን – ከም ንስኻን ኣነን ዝኣመሰሉ ሰባት – ኣዝዩ ከምዝፈቅር ይነግር፡ ንሓጢኣት ግን ይጸልእ። ዮሃንስ 3፡16 “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለዝፈቀራ፡ ነቲ ሓደ ወዱ [የሱስ] ሃበ፡ እቲ ዝኣምነሉ ዘበለ ኩሉ ከይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ” ይብለና።

ክእመን ይከኣል ድዩ? የሱስ ፈጺሙ ገለ እኩይ ነገር ኣይገበረን፡ ግናኸ ኣምላኽ ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ክመውት ፈቐደሉ! ከምኡውን የሱስ ኣዝዩ ስለዝፈቀረና፡ ንምድሓንና ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ሞተ። ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንድዚ ፈቒሩካዶ ይፈልጥ?

ብፍቕሩ ክትተኣማመን ትደሊ ዲኻ? ሽዑ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ግበር፡ “ሓጢኣትና እንተተናዘዝና፡ ንሱ እሙንን ጻድቕን እዩ፡ ሓጢኣትና ኺቕድሓልናን ካብ ኩሉ ዓመጽ ከንጽሓናን” (1 ዮሃ. 1፡9)።

ብስራት
ኣምላኽ ነቶም እዚ ንምግባር ዝኣብዩ ዜና ሕማቕ ኣለዎ፡ “እንተዘይተነሳሕኩም ... ክትጠፍኡ ኢኹም” (ሉቃ. 13፡3)። ነቶም ዝእዘዙ ግን ዜና ጽቡቕ ኣለዎ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” (23፡43)።

መጻኢኻ
ኣምላኽ ከም ቶሚ – ንዘለኣለም ክትጠፍእ ኣይደልየካን። ንሱ ሕጂ ንሓጢኣትካ ናብኡ ክትናዘዝን ንየሱስ ከድሕነካ ክትሓቶን ይደልየካ። እዚ እንተገበርካ፡ ንሱ ከድሕነካ እዩ፡ ሽዑ ንዘለኣለም ናቱ ክትከውን ኢኻ! ከመይ ጌርና ከምዝኾነ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።

እዚ ጽሑፍ እዚ ከም ወንጌላዊት ብሮሹር ካብ ጸጋን ሓቅን