ሓምለ/ነሓሰ 2018 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ሕቶ፦ የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ እንተኾይኑን ቅድሚ ምምስራት ዓለም ፍጹም እንተነይሩን፡ ከመይ ጌይሩ “ፍጹም ኪኸውን” ይኽእል (እብ 5:9 KJV )፧
መልሲ፦ ከም ኣምላኽ መጠን፡ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ፍጹም እዩ ነይሩን ንዘለኣለም ፍጹም እዩን።ግናኸ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብዛ ዓለም ቅድሚ ምምጽኡ፡ ከም ሕጻን ቅድሚ ምውላዱን ኣብ ቤት-ልሄም ኣብ መብልዕ ማል ቅድሚ ምድቃሱ፡ ብዛዕባኡ ኸም ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣይዛረብን። ኣብ ፈለማ ጥቕስታት ወንጌል ዮሃንስ “እቲ ቓል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ ወንጌል እዚ ብቓላት፡ “ኣብ መጀመርታ ቓል ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣምላኽ ነበረ” (ዮሃ 1:1 NKJV ) ይጅምር። ድሕሪ ገለ ጥቕስታት ከምዚ ንብብ፡ “እቲ ቓል ስጋ ኮነ፡ ኣብ ማእከልና ድማ ሓደረ፡ ክብረቱ ድማ ርኤና” (ቍ.14)።
ኣብ ሉቃስ 1:31 መልኣኽ ገብርኤል ንድንግል ማርያም፡ “እንሆ፡ ክትጸንሲ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ ስሙ ድማ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ” በላ። ድሕሪ ገለ ግዜ መልኣኽ ጐይታ ንሓዳር ማርያም ዝሓሰበ 1 ኣብ ሕልሚ ኸምዚ በሎ፡ “ዮሴፍ፡ ወዲ ዳዊት፡ ንማርያም ሰበይትኻ ኸተምጽኣ ኣይትፍራህ፡ እቲ ኣብኣ ዝጸንሰት ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ። ወዲ ድማ ክትወልድ እያ፡ ስሙ ድማ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኻ፡ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ” (ማቴ 1:20-21)።
ካብዚ ጥቕስታት እዚ፡ እቲ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ናብ ሰብኣውነት ምስ ኣተወ፡ “የሱስ” ዝብል ስም ከም እተዋህቦ ንምድምዳም ንኽእል። “ክርስቶስ” ናይ እብራይስጢ ቓል “መሲሕ” ናይ ግሪኽ ትርጉም እዩ። እቲ መልኣኽ ነቶም ጓሶት፡ እዚ ሕጻን እዚ “መድሓኒ፡ ንሱ ክርስቶስ ጐይታ እዩ” በሎም (ሉቃ 2:11)።
የሱስ ቅድሚ ምዕባዩ፡ ፈለማ “ሕጻን” (ቍ.12)፡ ድሕሪኡ “ቘልዓ” (ቍ.17) ተባሂሉ ተጸዊዑ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንሱ ኣምላኽ – ወዲ ኣምላኽ – ምዃኑ ብንጹር ከም ዝገልጽ፡ ካብ ሰበይቲ ናብዛ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ንሱ ሓቀኛ ሰብ ምዃኑ እውን ብንጹር ይገልጽ። ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ግሩም መዓርጋት ይህቦ፡ እቲ ንሱ ንርእሱ ንምጥቃስ ዝበዝሐ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ግና “ወዲ ሰብ” ዝብል እዩ። ብዛዕባ እቲ ግሩም ምስጢር ናይ ፍሉይ ሰብነቱ ክንዛረብ ከለና፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኢና ዘለና።
ኣብ እብራውያን 5፡ ኣብቲ ጐይታና የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት ዚገልጽ ክፋል ናይዚ መጽሓፍ እዚ ኢና ዘለና። ከም ኣምላኽ ኣብ ዘለኣለማዊ ግዜ፡ ሊቀ ኻህናት ኣይነበረን። ንሱ “ንርእሱ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ኣየኽበረን” (ቍ.5)፡ ግናኸ እዚ ዓቢ ኽብሪ እዚ ብኣምላኽ ተዋህቦ። “ኣብ ግዜ ስጋኡ” እዩ “ብዝተሰቀዮ ነገራት ምእዛዝ ዝመሃረ” (ቍ.7-8)። ንሱ ብሞራል ኩሉ ግዜ ፍጹም ነበረን እዩን፡ ንሱ መን ምዃኑ፡ ቅዱስ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ ካልእ ኪኸውን ኣይከኣለን። ግናኸ ምእዛዝ ኣብ ምድሪ ንእኡ ሓድሽ ነገር ነበረ። ንሱ “ርእሱ ኣሕሰረ፡ ክሳዕ ሞት፡ ሞት መስቀል እኳ እንተኾነ፡ ታሃዛዚ ኾነ” (ፊል 2:8 JND)።
እብራውያን 2:10 ከምዚ ይብል፡ “ንእኡ፡ ኩሉ ነገር ብእኡን ንእኡን ዝኾነ፡ ብዙሓት ኣወዳት ናብ ክብሪ ኸምጽእ ከሎ፡ ንመራሒ ምድሓኖም ብመከራ ፍጹም ኪገብሮ ይግባእ ነበረ” (NKJV)። ሓጋዚ እግረ-ጽሑፍ ኣብ ትርጉም ዳርቢ 2 ኣብ መጽሓፍ እብራውያን እቲ “ፍጹም ምግባር” ዝብል ኣበሃህላ ንሓደ ሰብ ንሓደ ስልጣን ምድላው ማለት ምዃኑ የርኢ። ጐይታ የሱስ ምስ ተሰቀለን ምስ ሞተን፡ ኣምላኽ ኣኽበሮ፡ “ንኹሎም እቶም ዚእዘዝዎ ድማ ምንጪ ዘለኣለማዊ ምድሓን ኾነ፡ ብኣምላኽ ከም ሊቀ ኻህናት ብመሰረት ስርዓት መልከጼዴቅ ተጸዊዑ” (5:9-10 NKJV)።
ስለዚ እቲ “ፍጹም ኪኸውን” (KJV) ዝብል ኣበሃህላ ኣብ እብራውያን 5:9 ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምስቲ ናይ ኣምላኽ ፍጹምነት፡ እቲ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኽ ዝምልከት፡ ኣይተዛመድን ኣይጋጮን። ኣብ ክንዲኡስ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ መከራኡ ንእኡ ንኽብራዊ ቦታ ሊቀ ኻህናት ብመሰረት ስርዓት መልከጼዴቅ፡ እቲ ኣምላኽ ሕጂ ዝጸውዖ፡ ከመይ ጌይሩ ከም ዘዳልዎ የርኢ።
እግረ-ጽሑፋት
1. ንዮሴፍን ማርያምን ተሓጽዮም ነይሮም ክንብል ንኽእል ኢና፤ ግናኸ ብኣይሁዳዊ ልምዲ፡ እቲ መርዓ ገና እኳ እንተዘይተፈጸመ፡ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ተባሂሎም ይጥቀሱ። ሓጽነት ከም መርዓ ቅዱስ ተባሂሉ ይርአ ነበረ።
2. እግረ-ጽሑፍ “g” ኣብቲ “ፍጹም ምግባር” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ እብራውያን 2:10 ከምዚ ይብል፡ “‘ፍጹም ምግባር’ ኣብ እብራውያን ንሓደ ሰብ ንሓደ ስልጣን ንምእታው ዜድሊ ኩሉ ምግባር፡ ንሓደ ሰብ ኣብቲ ስልጣን ንምቕማጥ ብቑዕ ምግባር ማለት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ‘ምቕዳስ’ ተባሂሉ ይትርጎም።”
መልሲ ብዩጂን ፒ. ቬደር ጁኒየር