ዓስቢ ምሃብ

ሄንሪ ጂ. ቦሽ·ነገረ መለኮት·Oct 27, 2023

135 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
1 ዝተሓተ ንባብ

ስድራቤት–ለካቲት 2013 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን

ዓስቢ ምሃብ

“ንነዳይ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሔር የለቅሖ፡ንሱውን ዝሃቦ ኺፈድዮ እዩ።” — ምሳሌ 19:17 NKJV

ሓደ ኣቦ ንወዱ ፍርቂ ዶላር ሃቦ፡ከም ዝደለዮ ኺገብረሉ ከም ዚኽእል ድማ ነገሮ። ጸኒሑ ብዛዕባኡ ምስ ሓተቶ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ንሓደ ሰብ ኣለቂሐዮ ኢሉ መለሰ።

“ንብድርኻ ጽቡቕ መኽበሪ ረኺብካዶ፧” ኢሉ ኣቦኡ ሓተቶ።

“እወ፡ ንሓደ ዝጠመየ ዝመስለኒ ድኻ ለማኒ ሃብክዎ።”

“ኦ! ክንደይ ሓማቕ ኢኻ። ከቶ ኣይትረኽቦን ኢኻ!”

“ግን ኣቦ፡ ዝበለጸ መኽበሪ ኣሎኒ፡መጽሓፍ ቅዱስ ንነዳይ ዚህብ ንእግዚኣብሔር የለቅሖ ይብል እዩ እሞ።”

እዚ እናሓሰበ፡ እቲ ክርስትያን ኣቦ ብወዱ ስለ እተሓጎሰ፡ ካልእ ፍርቂ ዶላር ሃቦ።

“ርአ!” በለ እቲ ንእሽቶ ወዲ።“ክረኽቦ እየ ኢለካ ነይረ፡ ግን ኣነ እውን ከምዚ ቅልጡፍ ክኸውን ኣይሓሰብኩን!”

“ንርእስና እንጥቀመሉ ንስእንዮ፤ከም ዘይውዳእ መዝገብ ኣሎና፡ዝኾነ ይኹን፡ ጐይታ፡ ንዓኻ እንለቅሖ፡ንኹሉ እትህብ።”ብክሪስቶፈር ወርድስዎርዝ (1807–1885)

ደራሲ ሄንሪ ጂ. ቦሽ(1914-1995) መስራቲ ናይ ዕለታዊ እንጀራና እዩ ነይሩ፡እዚ ድማ ብልዕሊ 40 ቋንቋታት ብ ራድዮ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ