12 ሓም 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 13 ሓምለ: ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ።
መሃልየ 7:10
ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥ ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ሮሜ 8:38–39
ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም።
ዮሃንስ 17:12
እግዚኣብሄር ብህዝቡ ተሓጕሱ እዩሞ።
ዳዊት 149:4
ደስታይ ከዓ ብደቂ ሰብ ነበረ።
ምሳሌ 8:31
ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ።
ኤፌሶን 2:4
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
ዮሃንስ 15:13
ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
1ይ ቆሮንቶስ 6:20
ብህይወት እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትናውን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እንመውት። ስለዙይ ብህይወት እንተ ነበርና ወይ እንተ ሞትና፥ ናይ እግዚኣብሄር ኢና።
ሮሜ 14:8
ኣብ መፅሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን።
ኢሳይያስ 34:16
ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን።
ዘዳግም 11:18
ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።
ኢያሱ 1:8
ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ውሽጢ ልቡ እዩ፤ በካይዳኡውን ኣይሰናኸልን።
ዳዊት 37:31
ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።
ዳዊት 17:4
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ዳዊት 119:11
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
2ይ ጴጥሮስ 1:19
ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።
ሮሜ 15:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 ሓም 2025
ኤርሚያስ 15:20 · ኢሳይያስ 49:24–26
10 ሓም 2025
ማቴዎስ 10:24 · ዮሃንስ 13:13
9 ሓም 2025
ዘካርያስ 3:4 · ዳዊት 32:1
8 ሓም 2025
1ይ ዮሃንስ 1:9 · ዳዊት 51:3–4
7 ሓም 2025
ማቴዎስ 4:1 · ዕብራውያን 5:7–9
6 ሓም 2025
ቈላስይስ 4:6 · ምሳሌ 25:11–12






