ንመዓልቲ ኣደታት
ሓንቲ ናይ ገዛ ሰበይቲ
ጸሎት
ኦ ጐይታይ፣ ዕለታዊ ዕዮታተይ ክገብር ከለኹ፣
ፍቕርኻ ከንጸባርቕ ግበረኒ
እሞ ኩሉ ቤተይ ንኽብርኻ መሰውኢ ይኹን።ዓራውቲ ክሰርዕ ከለኹ፣
ጭንቀትን ፍርሕን ካብ ገጸይ ከርሕቕ
እሞ ኣብ ልዕሌኻ ዝያዳ ክእመን ምሃረኒ።ኣቓሑ ክሓጽብ ከለኹ፣
ናይ ዕለቱ ሓጢኣታት ከም ዝሓጽብ ገይረ ክሓስብ
እሞ እቲ ዝፈትዎ ሳሙናኻ ንስሓ ምዃኑ ከዘክር ምሃረኒ። ኣፕል ፓይ ክሰርሕ ከለኹ፣
ህይወተይ ብጽቡቕ ፍረ፣ ገለ ቅመም፣ ጥዑምነት
እሞ ንዕላማን ትርጉምን ዝኸውን እኹል ቅርፊት ከጣዕም ዘክረኒ።ኦ ጐይታይ፣ ንዓኻ ናብ ደረጃ
ናይ ገዛ ነገራት ምውራድ ኣይኮነን፣ የግዳስ ንዕኦም
ናብ ደረጃ ቅድስናኻ ምዕባይ እዩ። ኣሜን።ደራሲ ዘይፍለጥ«ዝገበርኩምዎ ዘበለ፣
ብምሉእ ልብኹም ግበርዎ፣
ንጐይታ ኸም እትሰርሑሉ እምበር፣ ንሰብ ከም ዘይትሰርሑሉ፣
ካብ ጐይታ ውርሻ
ከም ዓስቢ ኸም እትቕበሉ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
እትግዝእዎ ዘሎኹምሲ ጐይታ ክርስቶስ እዩ።»
ቈሎሴ 3:23-24






