✈️ ንጉዕዞ ንዳሎ…
ንፈተናታት ንጽናዕ፤ ንቃለ-መሕተት ስራሕ ንዳሎ፤ ንመርዓ ንለማመድ፤ ንጡረታ ንዕቅብ፤ ንቀብሪ እውን ቅድሚ ሕጂ ንዳሎ።
ስለምንታይ፧ እዞም ፍጻሜታት ምስ በጽሑ ድሉዋት ክንከውን ስለ እንደሊ።
ሓደ ድሉዋት ክንከውን ዘሎና ካልእ ፍጻሜ ከም ዘሎ ትፈልጥ ዲኻ፧
የሱስ ክርስቶስ ነቶም ዜፍቅርዎ ናብ ሰማይ ኪወስዶም ይመለስ ኣሎ!
ሰይጣን ብዛዕባ እዚ ዓቢ ፍጻሜ እዚ ኣብ ጸልማት ኪሕዘካን ነቲ ንኹሎም እቶም ቃል ኣምላኽ ዚኣምኑ ዚኸውን ተስፋ ኺሰርቀካን ብዝተኻእሎ መጠን ይጽዕር ኣሎ።
❤️ ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ
ንህዝቡ ዘዳለዎ ኸኣ ክትፈልጥ ይደሊ።
የሱስ ስለ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ቅድሚ ምማቱ፡ ንሰዓብቱ ነገሮም፡
“ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደራት ኣሎ… ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ። እንተ ኸድኩ ኸኣ ስፍራ ኸዳልወልኩም፡ ከም ብሓድሽ ክመጽእ እየ፡ ናባይውን ክወስደኩም እየ፡ ኣነ ኣብ ዘሎኹዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልዉ።” — (ዮሃንስ 14:2-3)
ቃላቱ ክንደይ ገርሃት እዮም! ንሱ ነቶም ዚኣምኑ ኩሎም ኣብ ቤቱ ምስኡ ኽሳዕ ዚህልዉ ኣይዕገብን እዩ።
መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ተሰሎንቄ፡
ብዙሓት “ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ተመልሱ፡ ነቲ ህያው ሓቀኛ ኣምላኽ ከተገልግሉ፡ ንወዱ ኸኣ ካብ ሰማይ ክትጽበዩ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ፡ ንሱ ኸኣ ካብቲ ዚመጽእ መዓት ዜድሕነና የሱስ እዩ” — (1 ተሰሎንቄ 1:9-10)
የሱስ ይመለስ ኣሎ!
እቶም ተሰሎንቄኣውያን ኣሚኖም ንሱ ኻብ ሰማይ ምእንትኦም ኪመጽእ ይጽበይዎ ነበሩ — ከምቲ ሎሚ ንሕና ኽንጽበዮ ዘሎና።
“ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታ፡ ብድምጺ ሊቀ-መላእኽቲ፡ ብመለኸት ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ኸኣ ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕሪኡ ንሕና ህያዋን ዘሎና፡ ምስኦም ሓቢርና ኣብ ደበና ናብ ጐይታ ኣብ ኣየር ክንሕዞ ኢና። ከምኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።” — (1 ተሰሎንቄ 4:16-17)
🚨 ምትሓዝን መከራን
ድሕሪ ምትሓዝ (እቶም ኣመንቲ ምስ ተወስዱ)፡ ኣብ ምድሪ ሾብዓተ ዓመት መከራ ኪኸውን እዩ።
“ሽዑ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ዓለም ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ ዘይነበረ፡ ከቶውን ከቶ ዘይከውን ዓቢ መከራ ኪኸውን እዩ…” — (ማቴዎስ 24:21-22)
እመንኒ፡ እዚ ምስ ኾነ ኣብ ወገን ጐይታ ኽትከውን ክትደሊ ኢኻ!
🔥 ናይ መወዳእታ ፍርዲ
ድሕሪ መከራ፡ ኩሎም ዘይኣመንቲ (ምዉታትን ህያዋንን) “ከም ግብሮም” ብኣምላኽ ባዕሉ ኪፍረዱ እዮም፡ ቅድሚ ናብቲ ሓይመይቲ ሓዊ ንዘለኣለም ምድርባዮም። — (ራእይ 20:11-15)
ድሉው ዲኻ፧
የሱስ የጠንቅቕ፡
“ድሉዋት ኩኑ፡ ወዲ ሰብ… ኣብ ዘይትጽበይዎ ሰዓት ይመጽእ እዩ እሞ።” — (ማቴዎስ 24:44)
ሎሚ ኺምለስ ይኽእል እዩ!
ከም መድሓኒትካ ኣሚንካዮ ዲኻ፧
ምምላሱ ትጽበ ዲኻ፧ ንሱ ምስ መጸ ናብ ሰማያዊ ቤቱ ምስኡ ኽትከይድ ድሉው ዲኻ፧
እንተ ዘይኮንካ፡ ጠፊእካ ኢኻ። ክሳዕ ክንድዚ ቐሊል እዩ።
“ኣነ መንገዲ፡ ሓቅን ህይወትን እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ኣይመጽእን እዩ።” — (ዮሃንስ 14:6)
ንሱ ምስ መጸ ድሉው ክትከውን ዲኻ፧
ቅድሚ ምዝንጋዕካ ሕጂ እመን።
— ኤፍ. ዉርስት (ተመሓይሹ)





