በታ ሃገር እቲኣ ድማ ጓሶት ኣብ ግራት ነበሩ: ብለይቲ ኸኣ ንመጓሰኦም ይሕልዉ ነበሩ። እንሆ ኸኣ: መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ደው በለ: ግርማ እግዚኣብሄር ከኣ ኣውያቶም ኣንጸባረቐ: ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። ሽዑ እቲ መልኣኽ ከኣ በሎም:
«ኣይትፍርሁ: እንሆ: ንኹሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጎስ ዝኾነ ብስራት እብሥረኩም ኣሎኹ። ሎሚ ኣብ ከተማ ዳዊት መድሓኒ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ: ተወሊዱልኩም ኣሎ።» (ሉቃስ 2:8-11)
ንመድሓኒ ዚረክብ ዘበለ ኹሉ ሓደ ነገር ይረክቦ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ምስ የሱስ ክርስቶስ ምምስሳል ምስ ህያው ኣምላኽ ምምስሳል እዩ! ነዞም ኣብነታት እዚኦም ተመልከቱ።
ጓሶት
ድሕሪ ምስ ህጻን የሱስ ምምስሳሎም: እቶም ኣብ ግራት ቤት-ልሄም ኣባጊዖም ዚጓስዩ ዝነበሩ ጓሶት ናብ ስራሖም: ናብ ኣባይቶም ከምኡ'ውን ናብ ማሕበረሰቦም «ስለ ኹሉ እቲ ዝሰምዕዎን ዝርኣይዎን ንኣምላኽ እናኣመስገኑን እናወደሱ» ተመልሱ (ሉቃስ 2:20)። ንዝረኸብዎ ዘበለ ኹሉ «መድሓኒ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ» ከም ዝረኣዩ ነጊሮምዎም ከም ዝኾኑ ኣይጠራጠርን (ሉቃስ 2:11,18)።
ሰብ ጥበብ
እቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ: ምስ ህጻን ክርስቶስ ምስ ተራኸቡ «ወዲቖም ሰገዱሉ»። ድሕሪኡ ድማ «ወርቂ: ዕጣን: ከምኡ'ውን ከርበ - ንንጉስ ዚበቅዕ ህያባት - ኣቕረቡሉ» (ማቴዎስ 2:11)። ንንጉስ ነገስታት ምርካብ ነዞም ሰብ ጥበብ እዚኦም ነዊሕ ርሕቀት ከም ዚጓዓዙ: ዓበይቲ ህያባት ከም ዚህቡ: «ብዓብዪ ሓጎስ ከም ዚሕጎሱ» ከምኡ'ውን መድሓኒ ከም ዝመጸ ብዓብዪ ዜና ናብ ቤቶም ከም ዚምለሱ ገበሮም። ንትንቢት ምፍጻም ረኺቦም ነበሩ (ማቴዎስ 2:10)።
ስምኦን
ስምኦን ንህጻን ክርስቶስ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸቦ: ንሱ «ሰላም ... ምድሓን ... ብርሃን ... ክብርን» ናብ ዓለም ዜምጽእ ከም ዝረኸበ ፈለጠ (ሉቃስ 2:29-32)። ንሱ'ውን ኣብ የሱስ ንትንቢት ምፍጻም ረኣየ።
ኣና
እታ ኣና እትብሃል ኣረጊት ነብዪት ንክርስቶስ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸበቶ: ንኣምላኽ ከም ተመስግን ከምኡ'ውን ንኹሎም ኣብ የሩሳሌም ምድሓን ዚደልዩ ዝነበሩ ብዛዕባኡ ከም ትነግር ተገብረ (ሉቃስ 2:38)። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ንመድሓኒ ከም ዝረኣየቶ ፈሊጣ ነበረት።
ንስኻ
ንስኻኸ? ምስ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ብሕታዊ ምምስሳል ነይሩካዶ? እንተ ነይሩካ: ሽዑ እቲ ህይወትካ ዚቕይር ተመክሮኻ ከምቶም ጓሶት ብምስጋና: ከምቶም ሰብ ጥበብ ብኣምልኾ: ከም ስምኦን ብውሽጣዊ ሰላም: ከም ኣና ድማ ንኻልኦት ብምግላጽ ክትምልስ ከም ዚገብረካ ይግባእ።





