ብስራት– ግንቦት 2013 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ብደም ድሕነት
ደም ክርስቶስ የድሕን
ካብ ቊጥዓን ፍርድን እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ናይ ድሕነት እንኮ መገዲ ደም የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንክርስቶስ ከም መድሓኒናን ጐይታናን ክንቅበሎ ኸሎና፡ ሓጢኣትና ብሓቀኛ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ክንእመን ከሎና፡ እቲ ኽቡር ደሙ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና (1 ዮሃ. 1:7)።
ክርስቶስ ተመሪጹን ተላኢኹን
እቲ ፍቑር ወዱ ምትካእና፡ ማለት መስዋእቲ ፍርዱ ንሓጢኣትና ኪኸውን፡ ናይ ኣምላኽ ባዕሉ መደብ ነበረ። ኣምላኽ ንወዱ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝለኣኾ ብዘይ መደብ ኣይነበረን። “ኣብኡ ኸኣ ንሕና ርኢና ንምስክር፡ ኣቦ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ገይሩ ለኣኾ” (1 ዮሃ. 4:14 nkjv)።
የሱስ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ዝመደበሎም መድሓኒ እዩ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ ደም ክርስቶስ ዘይተወሰነ ዋጋ ይህብ። ከም ሓጢኣተኛ፡ ምሕረት ዘድልየካ እንተ ዄንካ፡ ንስኻዶ ዋጋ ትህቦ ኢኻ? “እግዚኣብሔር ድማ ገበን ኵላትና ኣብኡ ኣንበረ” (ኢሳ. 53:6)። የሱስ ኣብ መስቀል ክመውት ከሎ፡ “ተፈጺሙ” (ዮሃ. 19:30) ኢሉ ኣወጀ። ንሱ ኼድሕነካ ይኽእል እዩ። ንስኻዶ ኽትፈቕደሉ ኢኻ?
መከራን ሞትን ክርስቶስ
ኣዒንትኻ ናብ መስቀል ኣቕንዕ እሞ የሱስ ኣብኡ ደም እናፈሰሰ ንኣኻ ኺመውት ርአ። እቲ ብእሾኽ ዝተኸልለ ርእሱ ርአ። ኣእዳዉ ኣብታ ርጉምቲ ኦም ብጽኑዕ ተሰንቂሮም ርአ። ገጹ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ተደብዲቡ ርአ – ብመከራ ሞት! ንሱ “ሓደ ጊዜ ብዛዕባ ሓጢኣት መከራ ጸገበ፡ ጻድቕ ንሓጥኣን፡ ምእንቲ ናብ ኣምላኽ ኬቕርበና” (1 ጴጥ. 3:18)።
ንሓንቲ ደቒቕ ሕሰብ፡ ደም ክርስቶስ ንምድሓንካ ፈሰሰ። “ብብሩር ወይስ ብወርቂ ኣይተዋሕጥኩምን ... ግናኸ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፡ ከም ናይ ንጹህን ብርሑቕ ዘይብሉ ገንሸል” (1 ጴጥ. 1:18-19)። ክትድሕን እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ዝፈሰሰ ደሙን ክትእመን ኣሎካ። “ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ምሕረት ሓጢኣት ኣሎና” (ኤፌ. 1:7)።
በይኑ ኣብ ክርስቶስ ተወከል
ካብ ደም ክርስቶስ ወጻኢ ሓንቲ ነፍሲ ኼድሕን ዝኽእል የልቦን። ግብርታትካ፡ ጸሎታትካን ንብዓት ንስሓኻን ኬድሕኑኻ ኣይክእሉን እዮም። ደሙ በይኑ ኼድሕን ሓይሊ ኣለዎ። ቅዱስ ቁርባን ኬድሕነካ ኣይክእልን እዩ። ንስኻዶ ብጥምቀት፡ ብምጽናዕ፡ ብቍርባን ወይስ ብምሕላው ዓሰርተ ትእዛዛት ክትድሕን ትእመን ኢኻ? ካብ ደም የሱስ ወጻኢ ሓንቲ እኳ ኼድሕነካ ኣይትኽእልን እያ።
ግብርታትካ ኽንደይ ቅኑዕ ወይስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ይኹን ኣይትፍለየካን እያ። ኬድሕኑኻ ኣይክእሉን እዮም! ኣብ ካልእ ካብ ደም ወጻኢ እንተ ተኣሚንካ፡ ክትጠፍእ ኢኻ። በይኑ ኣብ የሱስ ተወከል፡ ክትጠፍእ ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ።
• “ደም ንነፍሲ ምሕረት ይገብር” (ዘሌ. 17:11)።
• “ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና” (1 ዮሃ. 1:7)።
ምሕረት ኩሉ ግዜ የተኣማምን እዩ ንሓጢኣተኛ ዝእመን፡ “ስለዚ ኸኣ፡ ... ብእዚ ሰብኣይ እዚ (ክርስቶስ) ምሕረት ሓጢኣት ከም ዚስበኸልኩም፡ ብእኡ ኸኣ ኵሉ ዝኣምን ካብ ኵሉ ነገር ከም ዚጸድቕ፡ ይፍለጥ” (ግብ. 13:38-39)።
ደራሲ ዘይፍለጥ
ብየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ሓጢኣት ትደሊዶ? ንሕና ኽንነግረካ ንኽእል ኢና።
ከም ወንጌል ትራክት ይርከብ ካብ ጸጋን ሓቅን.