ክቡር ሓሙሽተ ሓቅታት

ነገረ መለኮት·Jul 6, 2023

163 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
1 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት–ሰነ 2016 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን


ክቡር ሓሙሽተ ሓቅታት

1. ፍርዲ ኣምላኽ
“ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣ ሓንቲ እኳ የልቦን ... ኵሎም ሓጢኣት ገይሮም ክብሪ ኣምላኽ ስኢኖም እዮም እሞ” (ሮሜ 3:12,23 NKJV ).

2. ፍርዲ ኣምላኽ
“ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ እተጻሕፈ ዅሉ ዘይጸንዕን ዘይገብሮን ኵሉ ርጉም እዩ” (ገላ. 3:10)። “እቲ ዘይኣምን ግና ብስም እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ቕድሚ ሕጂ ተፈርዱ” (ዮሃ. 3:18)።

3. ምድላው ኣምላኽ
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃቦ” (ዮሃ. 3:16)። “ክርስቶስ ከኣ ከምቲ ጽሑፋት ንሓጢኣትና ሞተ” (1 ቈረ. 15:3)። “ክርስቶስ ንኣና መርገም ብምዃን ካብ መርገም ሕጊ ፈደየና” (ገላ. 3:13)።

4. ዕድልካ
“ግናኸ ንዝተቐበልዎ ዅሎም፡ በስሙ ንዚኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም” (ዮሃ. 1:12)።

5. እንኮ ተስፋኻ
“በቲ ወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ በቲ ወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይርእን” (ዮሃ. 3:36)። “ብኻልእ ድማ ምድሓን የልቦን፡ ብእኡ ኽንድሕን ዚግብኣና ኻልእ ስም ... የልቦን እሞ” (ግብ. 4:12)።

ብዛዕባ ምድሓን ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝያዳ ኽንነግረኩም ንኽእል ኢና።

እዚ መልእኽቲ እዚ ኸም ትራክት ካብ ጸጋን ሓቅን ይርከብ።