ዓመት 2008 ምስ ሓለፈትና: ናብ 2009 ክንኣቱ ኸሎና: ክልተ ነገራት ናብ ኣእምሮና ይመጻ። ቅድሚ ዅሉ ብሓደ ዓመት ዓቢና: ካልኣይ ድማ ናብ ምምጻእ ጐይታና ሓደ ዓመት ቀሪብና።
እዚ ሕጂ እቲ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ምስሊ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዓበናን ክሳዕ ክንደይ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣብ ዓመት 2008 ኪጥቀመና ኸም ዝኽእልን እንሓስበሉ ግዜ እዩ።
ጐይታ ርሕሩሕን ምሉእ ምሕረትን እዩ: ንዅሉ ኸኣ ጽቡቕ እዩ... (መዝሙር 145:8, 9)
ንሱ ጽቡቕ ከም ዝነበረ ኽንምስክር ንኽእል: ኣብ ዓመት 2008 ጽቡቕ ተኸላኺልናን ዅሉ ኣድላይነትና ተኸናኺንናን። ንሱ ብዘይእምነትና እኳ እንተኾነ ጽቡቕ ነበረ። እዚ እዩ ባህርይ ኣምላኽ።
እንታይ ገይርና? ብኣካላዊ ዕድሜና ኸም ዝዓበና: ብመንፈሳዊ ዕድሜና ዓቢና ዲና? ኣብኡ ኽንመላለስ ክኢልና ዲና? ምምልላስ ምዕባለ: ናብ ቅድሚት ዚኸይድ ጉዕዞ እዩ። ክሳዕ ክንደይ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ኽንዓቢ ክኢልና? ንርእስና ኽንምልሶም ዚግባእ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ። ንክርስቶስ ንኻልኦት ምምስካር ግዴታና እዩ: ግናኸ ንክርስቶስ ኣብ ህይወትና ምግላጽን ምንባርን መንፈሳዊ ኣገባብና እዩ።
እቲ ኻልእ እንጽበዮ ነገር ምምጻእ ጐይታና እዩ። ምምጻኡ ንዓና ሓጐስ እዩ: ግናኸ ሽልማትና እንቕበለሉ ግዜ እውን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:
ዅላትና ኣብ ቅድሚ ወንበር ፍርዲ ክርስቶስ ኽንቐርብ ኣሎና: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ስጋኡ ዝገበሮ ኺቕበል (2 ቈረንቶስ 5:10)
ወንበር ፍርዲ ክርስቶስ ሓቂ እዩ: ኣብ ቅድሚኡ ኽንቀውም ከም ዘሎና ድማ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንወንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብፍርሃት ንፍራህ: ንኣምላኽ ቀዳምነትን ክብረትን ዚህብ ህይወት ድማ ንንበር።
ኣምላኽ እንተ ፈቒዱን ሓድሽ ዓመት እንተ ረኣናን: ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ንዓቢ: ምምጻኡ ድማ ንጸበ: ንወንበር ፍርዲ ክርስቶስ ድማ ፍርሃት ንግበር።
ፍቑር ጐይታ: ኣብ ምድራዊ ህይወትና 2009 ንዓኻ ኸም ዝያዳ ኽንመስል ንደሊ። ኣሜን





