ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ! እዚኸ እንታይ ማለት እዩ? መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃበ” (ዮሃንስ 3:16)። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ “ሓጢኣትና ብኣካሉ” ኣብ መስቀል ጎልጎታ ዝወሰደ፡ ንኣምላኽ ዘፍቅረና ካልእ የለን (1 ጴጥሮስ 2:24)። ኣምላኽ ንሓጢኣት ይጸልእ፡ ንሓጥኣን ግን የፍቅር። ንሓጢኣትካ መቕጻዕቲ ምእንቲ ክወስድ፡ ንወዱ ሃበ። ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ ክትርድኦ ትኽእልዶ? እንታይ እዩ ከም ዝመውት ዝገበሮ? ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ጎልጎታ ርኢኻ፡ ኣምላኽ ኣየፍቅረካን እዩ ክትብል ትኽእልዶ? “ኣምላኽ ግና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብምማቱ፡ ፍቕሩ ኣባና ኣርኣየ” (ሮሜ 5:8)። ኣብቲ መስቀል ምስ ተሰቕለ እኳ እንታይ ኢሉ? “ኣቦ፡ እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” (ሉቃስ 23:34)። ሓጢኣትካ እዩ ኣብ መስቀል ዝሰቐሎ፡ ንሱ ግን ክቕድዓካ ድሉው እዩ። እዚ ፍቕሪ እዩ! እንታይ ክትገብር ኢኻ? ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ ክትርስዖ ትኽእልዶ? ብዛዕባ እዚ ሕሰብ፡ “በቲ ወዲ ዝኣመነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ” (ዮሃንስ 3:36)። የሱስ ፍቕሩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰማይ ገዛ ይህበካ። ነዚ ግሩም ነገራት እዚ ንምቕባል፡ ሓጢኣትካ ምእማን ከምኡ’ውን ንእኡ ከም መድሓኒትካ ምቕባል ጥራይ እዩ ዘድልየካ። ሕጂ ክትገብሮ ዲኻ?
ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ
ፍቕሪ ኣምላኽ·Dec 14, 2021
173 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ፍቕሪ ኣምላኽ
1 ዝተሓተ ንባብ