ናብ ሰማይ ከመይ ጌርካ ትበጽሕ ጉዕዞ ትሓስብ ዲኻ? ልባውያን ተጓዓዝቲ ካርታ ይርእዩ። ብዙሓት ግን ንገዛእ ርእሶም ወይ ንምኽሪ ዓርኮም ይእመኑ – ኣብ መወዳእታ ድማ ይጥፍኡ! ጉዕዞኻ ናብ ሰማይኸ ከመይ እዩ? ካብዚ ናብኡ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ እንተደኣ ንካርታ ኣምላኽ – ንመጽሓፍ ቅዱስ – ተማኺርካ። ብገዛእ ርእስኻ ወይ ብምኽሪ ዓርክኻ ናብ ሰማይ ንምብጻሕ ምፍታን ብዙሕ ሽግር ጥራይ እዩ ዘምጽኣልካ፡ “ንሰብ ቅኑዕ እትመስል መገዲ አላ፣ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እያ” (ምሳሌ 14:12)። ካርታ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ናብ ሰማይ እትወስድ መገዲ ዘርእየካ። የሱስ ከምዚ በለ፡ “ኣነ እየ መገዲ” (ዮሃንስ 14:6)። ብሓቂ ድማ ብዘይካኡ ናብ ሰማይ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግብኣና ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካልእ ስም የልቦን” (ግብሪ ሃዋርያት 4:12)። ናብ መገዲ ሰማይ ንምእታው፡ ✅ ዝጠፋእካ ሓጥእ ምዃንካ ተኣመን። ✅ የሱስ መድሓኒኻ ክኸውን ሕተቶ። ድሕሪኡ ጽሓፈልና! ኣብ መገዲ ሓጋዚ ዝኸውን ነገር ክንሰደልካ ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ The New King James Version, © 1982, Thomas Nelson, Inc. ብፍቓድ።
ካብዚ ናብ ሰማይ ከመይ ጌርካ ትበጽሕ
ሰማይ·Dec 15, 2021
143 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ሰማይ
1 ዝተሓተ ንባብ