"ደም የሱስ ክርስቶስ ... ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና" (1 ዮሃንስ 1:7)። "በዚ ሰብ እዚ ምሕረት ሓጢኣት ይስበኸልኩም ኣሎ፤ ብእኡ ኸኣ ኵሉ ዝኣምን ካብ ኵሉ እቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቑሉ ዘይከኣልኩምዎ ይጸድቕ" (ግብሪ ሃዋርያት 13:38-39)። "ሰብ ብእምነት እምበር ብግብሪ ሕጊ ኣይጸድቕን እዩ" (ሮሜ 3:28)። "እምብኣርሲ ብእምነት ስለ ዝጸደቕናስ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣሎና" (ሮሜ 5:1)። "ንሕና ገና ደኻማት ከሎና ግዜኡ ምስ በጽሔ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ረሲኣን ሞተ እዩ እሞ" (ሮሜ 5:6)። "ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንእኡ ሃበ ... በቲ ወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይርእን እዩ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር እዩ" (ዮሃንስ 3:16, 36)። "እቶም ፈረሃት፡ ዘይኣምኑ፡ ርኹሳት፡ ቀተልቲ፡ ኣመንዝራታት፡ ጠንቈልቲ፡ መምለኽቲ ጣኦት፡ ኵሎም ሓሰውቲ ኸኣ፡ ግደኦም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚኣ እያ እታ ኻልአይቲ ሞት" (ራእይ 21:8)። "ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን፡ ክትድሕን ኢኻ" (ግብሪ ሃዋርያት 16:31)።
ብእምነት ብኸመይ ንጽድቕ
Apr 23, 2025
141 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
1 ዝተሓተ ንባብ