ኣገልግሎት– ለካቲት 2012 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ካብ ኤጳፍሮዲጦስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል?
“ግናኸ ንኤጳፍሮዲጦስ፡ ንሱ ንዂላትኩም ስለ ዝናፈቐኩም፡ ስለ ዝሓመመ እሞ ኸኣ ከም ዝሰማዕኩምዎ ስለ ዝተጨነቐ፡ ናባኹም ክሰዶ የድልየኒ እዩ ኢለ ሓሲበ። ስለዚ ብዂሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ ኣኽብርዎም። ንሱ ምእንቲ ግብሪ ክርስቶስ፡ ንህይወቱ ኸይሓሰበ፡ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ።” ፊልጲ 2:25-30 NKJV
ኤጳፍሮዲጦስ መን እዩ ነይሩ? ዓብዪ ሰባኺ፡ ለባም ተዛራቢ፡ ወይስ ብሉጽ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ሓው ድዩ ነይሩ? ኣይተነግረናን። ግናኸ እዚ ብሓይሊን ብመንከትን ተነጊሩና ኣሎ፡ ንሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ምትሕልላፍ ዘርኣየ ሰብ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ካብ ኲሉ ውህበታት፡ ለባምነት፡ ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝኾነ ሰብ ክእከብ ካብ ዝኽእል ትምህርቲ ዝበለጸ እዩ።
ኤጳፍሮዲጦስ ካብቶም ንገዛእ ርእሱ ዘይሓስብ ብሉጻት ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዕኡ ንምዕባይ ዝከኣሎ ዂሉ ገይሩ እዩ። ግናኸ እዚ ፍሉይ ሰብኣይ እንታይ ገይሩ? ንዕላማ ክርስቶስ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኡ ድዩ? ኣይተነግረናን። ግናኸ እቲ ዝተነግረና ካብኡ ዝበለጸ እዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣጥፊኡ። እዚ ኸኣ ንሕና ክንሕዞን ክንሓስበሉን ዘሎና ዓብዪ ነጥቢ እዩ።
ፊልጲ 2:26 ከምዚ ይብል፡“ንዂላትኩም ስለ ዝናፈቐኩም፡ ስለ ዝተጨነቐ።” ስለምንታይ? ስለ ዝሓመመ ድዩ? ስለ ሕማሙ፡ ቃንዛኡን ጉድለታቱን ድዩ? ከምኡ ዝበለ ነገር የለን። ኣብ ሕማሙ ዘተሓሳሰቦ ነገር እንተሎ፡ ንኻልኦት ከመይ ከም ዝጸልዎም ጥራይ እዩ ነይሩ። እዚ ዝኸበረ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ንኻልኦት ንምግልጋል ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ። ኣብኡ ከኣ፡ ብገዛእ ርእሱ ከምኡ’ውን ብሕማሙ ክሕዝም ኣብ ክንዲ ዝነብር፡ ብሓዘን ካልኦት እዩ ሓሲቡ!
ሕጂ ነቲ ለዋህ ቃላት ጳውሎስ ኣስተብህል፡ “ስለዚ ተቐበልዎ ... ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ ኣኽብርዎ።” ስለምንታይ? ስለ ውህበታቱ፡ ስልጣኑ ወይ ሃብቱ ድዩ? ኣይፋሉን! ስለ ምትሕልላፉ እዩ ነይሩ። ካብ ኤጳፍሮዲጦስ ንመሃር።
ብዛዕባ ደራሲ፡ ሲ. ኤች. ማኪንቶሽ (1820-1896) ኣይሪሽ ሰባኺ፡ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ’ውን ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉማት ዝጸሓፈ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ 1859-1860 ኣይሪሽ ምትሕድዳስ ንጡፍ ነይሩ። ን40 ዓመታት ከኣ ወርሓዊ መጽሔት “ሓድሽ ነገራት” ኣዳልዩ እዩ።