ብስራት–ሕዳር 2015 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ሓደ መዓልቲ ንየሱስ ክትረኽቦ ኢኻ
እዚ የሱስ እዚ መን እዩ፧
የሱስ ዝነበረ፣ ዝሞተን ዝተቐብረን ሰብ እዩ።
ንዝሞተ ሰብ ከመይ ገይረ ክረኽቦ እኽእል፧
ሰባት ኣብ ገለ እዋን ናብ ህይወት ምምላሶም ይከኣል ድዩ፧
እዚ ሓቂ እንተኾይኑ፣ ከም እንስሳ፣ ከም ካልእ ሰብ ወይስ ከም ባዕለይ ክምለስ እየ፧
ከም ሕጂ ዝመስል ድዩ ዝኸውን፧ ዓርሞሸሽ ወይስ መንእሰይ ክኸውን እየ፧ ኩሉ እቲ ዝነበረኒ ትዝታታት ክህልወኒ ድዩ፧
እዚ ሰብ እዚ የሱስከ፧ ካብ ምዉታት ተንስአ ድዩ፧
ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣንሲእዎ
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ መቓብር፣ ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣንሲእዎ። ድሕሪ ኣርባዓ መዓልቲ፣ የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ እሞ ሕጂ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ህያው እዩ።
“ክርስቶስ የሱስ ... ብመልክዕ ኣምላኽ እናሃለወ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ምዃን ከም ምምንዛዕ ጌርካ ኣይረኣዮን፡ ግናኸ ርእሱ ባዶ ገበረ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ኸም ሰብ ድማ ኮነ። ብመልክዕ ሰብ ተረኺቡ ኸኣ ርእሱ ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት እኳ፡ ሞት መስቀል ድማ ተኣዘዘ።
ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣዝዩ ልዕል ኣበሎ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ኩሉ ልሳን ድማ ንኽብሪ ኣምላኽ ኣቦ፡ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን፡ ካብ ኩሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም ሃቦ” (ፊል. 2:5-11 KJV)።
“ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፡ ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተሰሪዑሉ እዩ” (እብ. 9:27)።
ንየሱስ ክትረኽቦ ኢኻ
እወ! ሓደ መዓልቲ ንየሱስ ክትረኽቦ ኢኻ። ምዉታት ክትንስኡ እዮም እሞ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ፍርዲ ኣምላኽ ክትቀውም ኢኻ። ስጋኻ ክትንስእ እሞ ምስ መንፈስካ ክሓብር እዩ። እቲ ዝነበርካዮ ሰብ ክትከውን ኢኻ። ኣምላኽ ዝርዝር ህይወትካ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ኣሎ፣ ግብርታትካ ድማ ክምርመር እዩ።
“ስለዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ንርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” (ሮሜ 14:12)።
ሓንቲ እኳ ሓጢኣት ካብኡ ኣይትሕባእን
ሓንቲ እኳ ሓጢኣት ካብኡ ኣይትሕባእን። መዝገብ ኣምላኽ ኩሉ ሓቂ ምዃኑን ሓጢኣትካ ድማ ንዘለኣለም ንዓኻ ከም ዝኸውንን ስለ እትፈልጥ፣ ቃላት ክትስእን ኢኻ። ብሰንኪ ሓጢኣትካ ናብቲ ሓይመይቲ ሓዊ ክትኣቱ ኢኻ።
ግናኸ፣ መገዲ ምህዳም ኣሎ! የሱስ እቲ መገዲ፣ ሓቅን ህይወትን እዩ።
ሓጢኣተኛ ምዃንካን ንምድሓንካ ዝኾነ ጽቡቕ ግብሪ ክትገብር ዘይምኽኣልካን ክትኣምን ዲኻ፧
የሱስ ክርስቶስ ከም ምትካእካ ከም ዝሞተን ንኹሉ መቕጻዕቲ ሓጢኣትካ ከም ዝወሰደን ትኣምን ዲኻ፧
“ብጐይታ የሱስ እመን እሞ [ክትድሕን] ኢኻ” (ግብ. 16:31)።
እመን እሞ ንየሱስ ንምርካብ ድሉው ክትከውን ኢኻ።
ንየሱስ እንታይ ክትገብሮ ኢኻ፧
ንየሱስ ከም ጐይታን መድሓንን እንተ ተቐቢልካዮ፣ ወዲ ኣምላኽ ንምዃን ስልጣን ክህበካ እዩ። ብስሙ እመን። ኣይትጸበ! ሕጂ ንየሱስ ከም ጐይታኻን መድሓኒኻን ተቐበሎ። ፍቕሪ ኣምላኽ ተመከሮ።ከመይ ጌርና ከም ዝኸውን ክንነግረካ ንኽእል ኢና።
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ፡ ንወዱ በጃ ሃበ” (ዮሃ. 3:16)።
“ወዲ ኣምላኽ ... ኣፍቀረኒ፡ ንርእሱ ድማ ምእንታይ በጃ ሃበ” (ገላ. 2:20)።