ብስራት– ጥሪ 2019 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓኻ
ኣምላኽ ካብ መጽሓፉ – መጽሓፍ ቅዱስ – ብቐጥታ ይዛረበካ። ከም ዝበለ ድማ፡ይፈትወካ እዩ።ኣምላኽ ስምካን ስድራኻን ኣበይ ከም እትነብርን ይፈልጥ። ብሓቂ ድማ፡ ኣምላኽ ኩሉ ብዛዕባኻ ይፈልጥ። ንዓኻን ንኹሉ ኣብ ዓለም ዘሎን ዝፈጠረ ንሱ እዩ።
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ፈተዋ።”እዚ ማለት ንኹሉ ወድን ጓልን ኣብ ብምሉኡ ዓለም ይፈቱ። ንሱ ድማ ውሉዱ ክትከውን ይደልየካ። ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተወካ፡ ውሉዱ ምእንቲ ክትከውን ዝዓበየ ህያቡ ሃበ።
“... ንሓደ ወዱ በጃ ሃበ።”ወዲ ኣምላኽ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ህያብ ኣምላኽ ንዓና እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ናብ እንነብረሉ ለኣኾ። የሱስ ከም ሕጻን ተወልደ፤ ከም ካልኦት ኣወዳድን ኣዋልድን ዓበየን ተጻወተን፤ የሱስ ምስ ዓበየ ግና፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ሞተ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና፡ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ” (1 ቈረ. 15:3 NKJV)።
ኣምላኽ እቲ እንገብሮ ሕማቕ ነገራት ሓጢኣት ይብሎ። “ኩሎም ሓጢኦም ... ደሞዝ ሓጢኣት ሞት እዩ” (ሮሜ 3:23, 6:23) በለ። ሓጢኣትካ ኻብ ኣምላኽ ሓሊፉ ሓደ እኳ ይቕረ ክብለካ ኣይክእልን እዩ፡ ምኽንያቱ የሱስ ብምሕማምን ብሞትን ንሓጢኣትካ መቕጻዕቲ ወሲዱ እዩ።
ድሕሪኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። የሱስ ሕጂ ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ህያው እዩ። ምስ ትጽልየሉ ግና ይሰምዓካ እዩ!
ኣምላኽ ከምኡ እውን በለ፡“... ዝኣመነ ኩሉ ድማ”– የሱስ ክርስቶስ – ይቕረታ ሓጢኣትን ኣብ ሰማይ ቤት ክህልዎ ይኽእል። እዚ እዩ እሞ እትገብሮ ዘሎኻ፡
- ንኣምላኽ ሓጢኣተኛ ምዃንካን ንሓጢኣትካ ምሕረት ከም እትሓትትን ተናዘዝ። “ምእንቲ ሓጢኣተይ ክሓዝን [ብዙሕ ክሓዝን] እየ” (መዝ. 38:18)።
- እመን የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትካ ከም ዝሞተ። “ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እመን፡ ክትድሕን ኢኻ” (ግብ. 16:31)።
- ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒትካ ተቐበሎ። “ንዝተቐበልዎ ኹሎም ግና፡ ብስሙ ንዝኣመኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም” (ዮሃ. 1:12)።
“... ከይጠፍእ፡ የግዳስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ።”ንሓጢኣትካ ይቕረ ስለ ዝበለካን ውሉዱ ስለ ዝገበረካን ንኣምላኽ ኣመስግኖ። ሕጂ ናብ ሰማይ ኣብ መገዲ ኢኻ!
ንኻልኦት ኣወዳድን ኣዋልድን ዓበይትን የሱስ ከም ዝፈትዎም ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ንሓጢኣቶም ይቕረ ክብለሎም ንኣምላኽ ክሓትቱ ንገሮም።
የሱስ ኩሉ ናብ ሰማይ ክኸይድ ይደሊ። ውሉድ ኣምላኽ ስለ ዝኾንካ፡ ሓደ መዓልቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ መጺኡ ናብ ቤቱ ናብኡ ክወስደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ምስኡን ምስ ኣምላኽን ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ።
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ፈተዋ እሞ፡ ንሓደ ወዱ በጃ ሃበ፡ እቲ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ኹሉ ኸይጠፍእ፡ የግዳስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ።” (ዮሃ. 3:16)።ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።
እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ጸጋን ሓቅን ከም ወንጌላዊ ጽሑፍ ንህጻናት ይርከብ።