ብስራት– ታሕሳስ 2018 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
መንፈስ ናይዚ ግዜ’ዚ
ታሕሳስ 24 ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ እዩ ነይሩ። ሓደ ዳኛ ብኽዳኑ ኣብቲ ወንበር ኣብቲ ዝመልአ ቤት ፍርዲ ተቐሚጡ ነበረ። እታ ቐዳመይቲ ጉዳይ ናብኡ መጸት። ንሱ ፍርዲ ኣውጺኡ – መቕጻዕቲን ማእሰርቲን – ድሕሪኡ ድማ “ኣነ ኣብ መንፈስ ናይዚ ግዜ’ዚ እየ ዘለኹ እሞ ኩሉ ክሰርዞ እየ። በቃ! ቀጻሊ ጉዳይ” በለ። ንሱ ድማ ኩለን እተን ናይቲ ንግሆ ጉዳያት ብተመሳሳሊ መገዲ ሓለፈን።
እቲ ቓል ብቕልጡፍ ተዘርግሐ። ጠበቓታት ምስቶም ብቕልጡፍ ጉዳያት ዝነበሮም ኣዕሩኽቶም ደዊሎም፣ ንሳቶም ድማ ነተን ጉዳያት ኣብ መዝገብ ንምእታው ተሃዊኾም። ኣብ ሰዓት ክልተ እቲ ዳኛ በታ መዓልቲ ክውድእ ከም ዘይክእል ረኣየ። ንሱ ድማ ንኹሎም ይቕረ በለሎም፣ ምኽንያቱ “ኣብ መንፈስ ናይቲ ግዜ” ስለ ዝነበረ።
ንጸሓፊ “እቶም ኣብዚ ዘለዉ ኩሎም ምልክት ግበረሎም፣ ኣነ ድማ ሕጂ ፍርዲ ንኹሎም ክህብ እየ” በሎ። ተመሳሳሊ ነገር፡ “ይቕረ ተባሂሉሎም – ተሰሪዙ።” ግናኸ ንሱ ቅኑዕ ኣይነበረን! ፍርዲ ፈጺሙ ኣይነበረን!
ዝተሰረዘ ፍርዲ
በታ ሓንቲ መዓልቲ፣ በቲ ሓንቲ ንግሆ፣ ሓደ ዳኛ ኣብ ቱክሰን፣ ኣሪዞና ኣብ ወንበር ነበረ። ንሱ ፍርዲ ይገብር፣ ንሕጊ የኽብር ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ ንግሆ ንጉዳይ ሓደ ሰብኣይ ጸውዐ፣ እቲ ሰብኣይ ቅድሚ 30 መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ነይሩ፣ እቲ ሰብኣይ ንመቕጻዕቱ ገንዘብ ንምእካብ 30 መዓልቲ ተወሳኺ ግዜ ተዋሂብዎ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣይመለሰን። እቲ ዳኛ “ክሳብ መወዳእታ እቲ ቤት ፍርዲ ክገድፎ እየ” በለ።
ድሕሪኡ በታ መዓልቲ እቲ ሰብኣይ መጸ። ንሱ ስደተኛ፣ ኣረጊት ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ድማ ናብቲ ወንበር ቀጥ ኢሉ ከደ። ንሱ ሓንቲ ኣረጊት፣ ርኹስቲ ጠርሙስ ጸባ ሒዙ ነበረ። እቲ ዳኛ፣ ንዝሓለፈ ግዜ ኣብኡ ዝነበረሉ ዘኪሩ፣ ብቕልጡፍ ንተርጓሚ ጸውዐ።
በቲ ተርጓሚ ኣቢሉ እቲ ሰብኣይ ንዳኛ ንምድንጓዩ ይቕረታ ሓተተ። ድሕሪኡ ድማ “ዳኛ፣ ነዚ መቕጻዕቲ ንምኽፋል 30 መዓልቲ ከም ዝሃብካኒ ይፈልጥ እየ፣ ኣነ ድማ ምሉእ ትማሊ ምሸት ናብዚ ንምምጻእ ተጓዒዘ። ንምድንጓየይ ይቕረታ” በለ። ኣብ መወዳእታ ብዝንቀጥቀጣ ኣእዳው ነቲ መትሓዚ ጸባ ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣንበሮ። “ዳኛ፣ እዚ ካብ ኩሎም ኣዕሩኸይን ካብ ዝሸጥክዎ ኩሉን ክእክቦ ዝኸኣልኩዎ እዩ፣ እኹል ኣይመስለንን።”
እቲ ዳኛ ንጸሓፊን ንሓላዊ ቤት ፍርዲን “ብቕልጡፍ ቊጸርዎ” በሎም፣ ንሳቶም ድማ ኩሎም እቶም ሳንቲማት ኣፍሲሶም ቊጸርዎም እቲ ዳኛ እናተጸበየ። እቲ መቕጻዕቲ $300.00 ነበረ፣ እቲ ዝቊጸርዎ ገንዘብ ድማ ኣስታት $240.00 በጽሐ። እኹል ኣይነበረን።
እቲ ኣረጊት ሰብኣይ እንታይ ምዃኑ ምስ ተነግሮ፣ “ዳኛ፣ በጃኻ፣ ሓጺር ግዜ ጥራይ፣ ኣነ ድማ ምስቲ ዝተረፈ ኩሉ ክምለስ እየ” በለ።
እቲ ዳኛ ንብዓት ኣብ ኣዒንቱ ነበሮ። ንሰባት ኣብቲ ቤት ፍርዲ “ኣብ ኩሉ እቲ ኣብ ወንበር ዝነበርኩሉ ግዜ ከምዚ ዝበለ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን። እዚ ሰብኣይ ምሉእ መገዲ፣ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዙ፣ ዝኸኣሎ ድማ ኣምጺኡ። ሕጂ ድማ ነቲ ዝተረፈ ንምኽፋል ግዜ ይልምን ኣሎ!” በሎም።
ድሕሪኡ እቲ ዳኛ “በቲ መንፈስካ፣ በቲ ዝተነሳሕካሉን ዝሓዘንካሉን መገዲ፣ ነቲ ዝተረፈ ፍርዲ ክሰርዞ እየ። ንስኻ ሓራ ኢኻ!” በለ።
ብዛዕባ እዚ ዝሓሸ ይስምዓና እዩ፣ ኣይኮነን? ግናኸ ሕጂ’ውን ፍርዲ ኣይነበረን! እቲ ዳኛ ነቲ ፍርዲን ነቲ ክኽፈል ዝነበሮ መቕጻዕቲን ሓሊፉዎ።
ሓቀኛ ፍርዲ
ግናኸ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ ሓጢኣተኛ ጽድቂ ክገብረሉ ከሎ፣ ምኽንያቱ ንሓንቲ ሓጢኣት ኣይሓልፋን። ሓንቲ’ውን!
ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኣብተን ሰለስተ ሰዓታት ጸልማት ንመቕጻዕቲ ኩሉ ሓጢኣተይ ጾረ – ሓንቲ’ውን ኣይሓለፈን።
ካብ ፍርዲ ሓራ ምዃን፣ ጾር ምውራድ፣ ምስ ኣምላኽ ሰላም ምግባርን ናብ ሰማይ ምኻድንሲ ግሩም ኣይኮነን? እዚ እዩ ብወንጌል ዝቐርበልካ።
“እምበኣርሲ ብእምነት ጽድቂ ምስ ረኸብና፣ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣሎና” (ሮሜ 5:1 KJV)።
“ኣምላኽ ግና ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ምእንታና ብምማቱ፣ ፍቕሩ ኣባና ኣርኣየ። እምበኣርሲ ሕጂ ብደሙ ጽድቂ ምስ ረኸብና፣ ብእኡ ኻብ ቊጥዓ ክንድሕን ኢና” (ቊ.8-9)።ዝያዳ ክንነግረኩም ንኽእል ኢና።