ንባዕልና ኣይኮናን ዘይንዕዳ ኦ ኣምላኽ፡ ናትካ ምዃንና፤ የሱስ ጐይታ፡ ለይትና ሰንጢቑ፡ መለኮታዊ ብርሃን ሃበና።
ጸጋን ፍቕርን ኣቦ እዚ ብሩኽ ምሕረት ሃበ፡ የሱስ ድማ ካብ ልዕሊ ዝፋን ወረደ፡ ዝጠፍአ በጊዑ ኼድሕን።
ደጊም ወረስቲ ቍጥዓ ኣይኮናን – ንልዑል ፍቕርኻ ንርኢ፤ ኣቦ ድማ፡ ብእሙን እምነት ነፍስና ኣብ ልዕሌኻ ንደርቢ።
ልብና ንምርኣይ ይጥምት እቲ ዝሃብካዮ ክብሪ፡ ብመንፈስ ኣብቲ እንኸውንሉ ንነብር ምስ ክርስቶስ፡ ወረስቲኻ፡ ኣብ ሰማይ።
ምስቲ እተቐበለ ጉጅለ ቀልጢፍና ኣብኡ ኽንርእዮ ኢና፦ ምስኦምን ምሳኡን ኣብ ክብሪ ኽንቀውም፡ ኣብ ክብሩ ድማ ክንካፈል ኢና። — ኣውግስጦስ ኤም. ቶፕላዲ (1740-1778)





