ሕጂ – እዋኑ እዩ!

ነገረ መለኮት·Oct 30, 2022

336 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
2 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት– ጥሪ 2021 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን

ሕጂ እዋኑ እዩ!

ምሕጽንታ ኣምላኽ

  • “‘ንዑ ሕጂ፡ ንመቓቒሕ ንበል’ ይብል እግዚኣብሔር፡ ‘ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ግምጃ እንተ ኾነ እኳ፡ ከም በረድ ኪጸብዕ እዩ’” (ኢሳ. 1:18 NKJV).
  • “እኩይ መገዱ ይሕደግ፡ እቲ ዓማጺ ሰብ ድማ ሓሳባቱ፡ ናብ እግዚኣብሔር ይመለስ እሞ፡ ንሱ ኺርሕርሓሉ እዩ፡ ናብ ኣምላኽና ድማ፡ ንሱ ብብዝሒ ይቕርየሉ እዩ” (55:7).

ተስፋ ዘይብሉ ኩነታት ሰብ

  • “ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ እዩ እሞ፡ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ስኢኑ” (ሮሜ 3:23).
  • “ልቢ ኻብ ኵሉ ነገር ንላዕሊ ተንኮለኛ እያ፡ ኣዝያ እተሐምም ድማ እያ” (ኤር. 17:9).
  • “ንሕና ዅላትና ኸም ኣባጊዕ ጠፋእና፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ መገዱ ገጽና” (ኢሳ. 53:6).

ፍርዲ ርግጽ እዩ

  • “ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፡ ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተሰሪዑሉ እዩ” (እብ. 9:27).
  • “እቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈርዱ” (ዮሃ. 3:18).
  • “እኩያት ናብ ሲኦል ኪምለሱ እዮም፡ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዚርስዑ ኣህዛብ ድማ” (መዝ. 9:17).

ሓንቲ መገዲ ምምላጥ ጥራይ

  • “የሱስ ከኣ፡ ‘ኣነ እየ መገዲ፡ ሓቅን ህይወትን። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን’ በሎ” (ዮሃ. 14:6).
  • “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ቃለይ ዚሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ኣይመጽእን እዩ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ግና ተሰጋጊሩ እዩ” (5:24).
  • “እንተ ዘይተነስሑ ግና፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም” (ሉቃ. 13:3).
  • “ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና” (1 ዮሃ. 1:7).

ምድሓን ውህበት እዩ

  • “ውህበት ኣምላኽ ግና ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ” (ሮሜ 6:23).
  • “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ኸይጠፍእ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት የሕልፍ እምበር፡ ንወዱ በጃ ሃበ” (ዮሃ. 3:16).

እቲ ኣማኒ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣላቶ

  • “እዚ ንስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘበልኩም፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዘሎኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ” (1 ዮሃ. 5:13).
  • “እቲ ብወዲ ዚኣምን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣላቶ” (ዮሃ. 3:36).

ንዘለኣለም ከመይ ጌርካ ትጠፍእ

  • “ክንድዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ምድሓን እንተ ዘየስተብሃልናሉኸ፡ ከመይ ጌርና ኸነምልጥ ኢና?” (እብ. 2:3).
  • “እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይርእን እዩ፡ ግናኸ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር” (ዮሃ. 3:36).

ኣይትጸበዩ!

  • “እግዚኣብሔር ኺርከብ ከሎ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎ ጸውዕዎ” (ኢሳ. 55:6).
  • “እንሆ፡ ሕጂ እዩ እቲ ቅቡል ዘመን፡ እንሆ፡ ሕጂ እዩ መዓልቲ ምድሓን” (2 ቈረ. 6:2).

ከመይ ጌርካ ኸም እትድሕን ክንነግረካ ንኽእል ኢና።ከመይ ጌርካ ኸም እትድሕን ክንነግረካ ንኽእል ኢና።

እዚ ጽሑፍ እዚ ኸም ወንጌል ትራክት ካብ ጸጋን ሓቅን ይርከብ።