ኵሉ ንኣምላኽ ዝኸውን ካብ ሞት እዩ ዚመጽእ
«እቲ ፍረ ስርናይ ኣብ ምድሪ ወዲቑ እንተ ዘይሞተ፡ በይኑ ይተርፍ እዩ፡ እንተ ሞተ ግና፡ ብዙሕ ፍረ ይፈሪ።» —ዮሃንስ 12:24
ኣብ ፈለማ እዘን ቃላት ጐይታና፡ ንሰብ ንምርኣዩ ጥራይ ዝደለዩ ሰባት ኪወሃብ ዘይተለምደ መልሲ ዀይኑ ይርአ። እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ? እናተዛረበ ኸኣ፡ ሓደ ግሩም መልእኽቲ ኺወጽእ ጀመረ – እዚ ኸኣ ንዘመናት ብዘይተቐየረ ድምጺ ዚሰምዕ እዩ። እዚ ኸኣ እዩ: ኵሉ ንኣምላኽ ዝኸውን ካብ ሞት እዩ ዚመጽእ።
ጐይታ ባዕሉ እቲ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ዝሞተ ፍረ ስርናይ ነይሩ፡ በይኑ ኸይተርፍ። እቲ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ዝፈጸሞ ዕዮኡ ድሮ ብዙሕ ዘለኣለማዊ ምህርቲ ኣፍሪዩ እዩ። ሕጂ እውን ብዙሓት ደቁ ናብ ክብርን ምስ ምስሉ ንዘለኣለም ኪመስሉን የምጽእ ኣሎ – ከምቲ ኣብ ሓደ ስርናይ ዘለዉ ፍረታት ነቲ ንምፍራዮም ዝሞተ ዘርኢ ዚመስሉ።
ግናኸ፡ እዘን ካብ ሞት ክርስቶስ ዝመጻ ፍረታት ስርናይ፡ ንኣምላኽ ፍረ ኺፈርያ እንተ ዀይነን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ምድሪ ወዲቐን ኪሞታ ኣለወን። ክርስቶስ ምእንትኤን ከም ዝሞተ ምስ ተማህራ፡ ምስኡ ኸም ዝሞታን ምስኡ ኸኣ ንሓድሽ ህይወት ኪመላለሳ ኸም ዝተንስኣን ኪምሃራ ኣለወን። ሽዑ ኸኣ ህይወተን ብምጽላእ ኪሕልዋ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺፈልጣ ኺጅምራ እየን (ቁ.25)። ምናልባት ሓንቲ ንእሽቶ ዛንታ ኽትሕግዝ ትኽእል እያ።
ብዙሕ ዓመታት ይገብር፡ ሓደ ጉጅለ እንግሊዛውያን መርከበኛታት ኣብ ሓንቲ ዝቐዘፈት ሰሜናዊት ደሴት ኣንቢሮም ብዘይፍላጥ ኣንደድዋ። እቲ ንእሽቶ ቍጥቋጥ ብቕልጡፍ ብሓዊ ተቓጸለ። እታ ደሴት እቲ ንእሽቶ ዕምባባኣ ምጥፋኣ ዘሕዝን ኰይኑ ተሰምዐ። ግናኸ እዚ ናይ ዛንታ መወዳእታ ኣይኰነን። ድሕሪ ዓመታት እታ ደሴት ብጽቡቕ ብሩራዊ በርች ተሸፊና ተረኺባ። ዘርኣ ብሙቐት ሓዊ በቘለ። ሞት እቲ ብሉይ፡ ንዕብየትን ምግላጽን እቲ ሓድሽ ኣኽኢሉዎ።
ስለዚ፡ ነቲ ቍጥቋጥ ተፈጥሮኣዊ ህይወትና ብሓዊ ኺቃጸል ምስ ፈቐድና፡ ካብ ሞት ዝወጸ ፍረ ኣብ ህይወትና ኺርአ እዩ። ክሳዕ ክንደይ ዜዋጽእ ምልውዋጥ!





