ብዋጋ ተዓዲግና ኢና፡ ናይ ባዕልና ኣይኰንናን። በዚ ምኽንያት እዚ—እዚ ፍጹም ምድሓን—እዚ ዝተፈጸመ ዕዮ፡ ድሕሪ ሕጂ ናይ ባዕለይ ኣይኰንኩን። ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ፡ «ብሽም ጐይታ የሱስ ክገብሮ» ኣሎኒ። ብፍጹም ፍቕሪ ብመለኮታዊ ጽድቂ ናብኡ ዝኣተኹሉ ሓድሽ ቦታ ኣሎኒ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባዕሉ፡ ብምሉእ ብርሃንን ሞገስን ኣምላኽ ኣሎኹ። ሕጂ ሓይሊ ኣሎና፡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ። ክርስቲያን ድማ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ክርስቶስ እንታይ ከም ዝነበረ ኼርኢ ተቐሚጡ ኣሎ፦ «ኣብኡ ኸም ዚነብር ዚብል፡ ንሱ ባዕሉ ኸምቲ ንሱ ዝኸደ ኺመላለስ ይግብኦ»፡ «ኩሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ኽንስከም፡ ህይወት የሱስ እውን ኣብ ስጋና ኽትግለጽ»።
ኣነባብራ ክርስቲያን
ብልምዲ እንገብሮም ሽሓት ነገራት ኣለዉ፡ ክንገብሮም ኣሎና ድማ ንብል።
ንዓይ ካብ ፍቓድ ክርስቶስ ሓሊፉ «ክገብሮ ኣሎኒ» ዚብል የልቦን። ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኽመሃር ኣሎኒ። ከመይሲ፡ ንሕና መልእኽቲ ክርስቶስ ኢና ተገይርና፡ እቲ ኽንመላለሰሉ ዚግብኣና መገዲ ድማ ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምግላጽ እዩ። ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ፡ ናይ ልበይ ንክርስቶስ ዘሎ እምነትን ንኻልኦት ንእኡ ምግላጽን ኪኸውን ኣለዎ። መለክዒ ኣነባብራ፡ «ንጐይታ ዚግብኦ» እንታይ እዩ፡ ንሰብ ዘይኰነስ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ጌጋ ምስ ገበረለይን ምስ ኣዋረደንን፡ ሰላማዊ፡ ትዕግስተኛ፡ ለዋህ ምዃን ኣዝዩ ይኸብድ። ግናኸ፡ ንስኻ ጸላኢ ኣምላኽ ኣይነበርካንዶ፡ ኣምላኽከ ጸላኢኡ ኸለኻ ኣይሓደገልካንዶ፧ እወ፡ ንጸላኢኻ ሕደገሉ። ንጸገማት ብምሉእ እርድኦም፡ ግናኸ፡ «ከምቲ ንሱ ዝኸደ» ናይ ምምልላስ ብሩኽ ፍሉይ መሰል ኣሎና። እዚ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ኪድ ንክርስቶስ ኣጽንዕ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቦታኻ ምስ ፈለጥካ፡ ኣብዚ ምድሪ እዚ መገዱ እንታይ ከም ዝነበረ ፍለጥ።
ብምጽናዕ ክርስቶስ ዚመጽእ ለውጢ
ንክርስቶስ ክርኢ ኸሎኹ፡ ክኸውን ዚግብኣኒ ነገር ጥራይ ምርኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክኸውን ዚግብኣኒ ነገር ምውሳድ ድማ ዓብዪ ምጽንናዕ እዩ—«ጸጋ ብጸጋ»።
ንሕና ኩላትና፡ ብግልጺ ገጽ፡ ንኽብሪ ጐይታ እናረኣና፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብታ ሓንቲ ምስሊ ንቕየር ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 3:18)
ኣብኡ ሓቀኛ ዕብየት ኣሎ፡ ብብቕዓትን ምቕባልን ዘይኰነስ፡ ንክርስቶስ ብምምሳል እዩ፡ እዚ ድማ ኩሉ ሳዕ ዕብየት ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብዚ ቦታ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሎና፡ እቲ ኽነግረኩም ዝደልዮ ድማ ንክርስቶስ ምጽናዕ እዩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብዚ ኸምኡ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ነፍሲ ብበረኸትን ምትብባዕን ዚመልእ፡ ወይ ዚቕድስ፡ ወይ መለኮታዊ ፍቕሪ ህያው ስምዒት ዚህብ፡ ወይ ትብዓት ዚህበና ካልእ የልቦን። ጐይታ እዚ ትብዓት እዚ ይሃበና፡ ንእኡ ኸኣ ከነጽንዕ የኽእለና።
እቲ ዚበልዓኒ፡ ንሱ ባዕሉ ብኣይ ኪነብር እዩ። (ዮሃንስ 6:57)

