እግዚኣብሔር ኣቦ ንወዱ፡ ወዲ ፍቕሩ—ብ2 ዮሃንስ 1:3 ወዲ ኣቦ ተባሂሉ ዝተጸውዐ—«ብዙሓት ውሉዳት» ናብ ክብሪ ኼምጽእ ሃቦም (እብ. 2:10)። እዚ ሓድሽ ርክብ እዚ ኣብ ጸሎት ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ 1 ብሸውዓተ ነጥብታት ተጠቒሱ ኣሎ፦
- ከም ውሉዳት መጠን፡ ምስ ኣምላኽናን ኣቦናን ጥቡቕ ርክብ ኣሎና። ንሱ ኻብ ልብናን ኣፍናን ህይወትናን ንልቡ ዜዕግብ ምላሽ ይደሊ።
- እዚ ንምግባር፡ ንሱ ግሩም ነገራት ገይሩ እዩ። ንሱ ንዓና ንርእሱ ብቑዓት ገይሩና እዩ፡ ስለዚ ድማ በረኸት ቤቱን ልቡን ምሳና ኺካፈል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ለውጢ የጠቓልል።
- ከም ፍቑራት ውሉዱ መጠን፡ ብሞት ወዱ ምኽንያት ወረስቲ ዄንና ኢና፡ ብምትንሳኡ ድማ ምስኡ መዋረስቲ ዄንና ኢና።
- እዚ ነገራት እዚ ንኽንጥቀም፡ ኣምላኽ ካብ ስልጣን ጸልማት ኣድሒኑና፡ ሓራ ገይሩና ኣብ ብርሃኑ ኣንቢሩና።
- ብተወሳኺ፡ ኣምላኽናን ኣቦናን ካብ ግዝኣት ጸልማት ናብ መንግስቲ «ወዲ ፍቕሩ»—እዚ መግለጺ እዚ ኣብዚ ጥራይ እዩ ዚርከብ—ኣግዒዙና።
- እቲ ዝፈጸሞ ድሕነት ካብ ተጻረርቲ ሓይልታት ምሉእ ምድሓን የጠቓልል፡ ከምኡውን ቤዛ፡ ማለት ክንሰርዖ ወይ ክንገምቶ ዘይንኽእል ዋጋ ኸፊሉ ምዃኑ የጠቓልል። እዚ ድሕነት እዚ ኣብኡ ኣሎና (ቍ. 14) ፡ ሓደ መዓልቲ እንረኽቦ ነገር ኣይኮነን—ኣይፋል፡ ኣሎና። ኣብኡ ድማ ኣሎ፡ ምስኡ ብዝምድናን ሕብረትን።
- ይቕረ ምባል ሓጢኣት እውን ኣብኡ እዩ። ሓጢኣትና ሸቶ ከም ዝሰሓትና የርኢ። ክርስቶስ፡ ዘይተሰናኸለ፡ ከም ተካኢ ቦታና ወሰደ። ሓጢኣትና ጠፊኡ፡ ዕዳና ተሰሪዙ።





