መን እዩ ንመልእኽትና ዝኣመነ፧ መን እዩ ድማ ቅልጽም እግዚኣብሔር ዝተገልጸሉ፧ ከም ጨናፍር ኣብ ቅድሚኡ ኪዓቢ እዩ እሞ፡ ከምቲ ካብ ንቑጽ ምድሪ ዝወጽእ ሱር ድማ። ቅርጽን ውቃበን የብሉን። ንሕና ኸኣ ምስ እንርእዮ፡ እንብህጎ ውቃበ የብሉን።
ብሰብ ንዑቕን እተነጽገን እዩ፡ ሰብ ጓሂ፡ ምስ ሕማም ዝተላመደ። ንሕና ኸኣ ገጽና ኻብኡ ኸም ዝሓባእና ኴንና፡ ንዑቕ ነበረ፡ ኣይነኽብርናዮን ድማ።
ንሱ ንሕማምና ጾይሩ እዩ፡ ንጓሂና ኸኣ ጸይሩ። ንሕና ግና ብኣምላኽ እተወቕዐ፡ እተሃርመ፡ እተሰቕየ ጌርና ቖጸርናዮ።
ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ተደቝሰ። መቕጻዕቲ ሰላምና ኣብኡ ነበረ፡ ብቝስሉ ድማ ሓዌና።
ንሕና ዅላትና ኸም ኣባጊዕ ጠፋእና፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ መገዱ ገጽና፡ እግዚኣብሔር ድማ ኣበሳ ዅላትና ኣብኡ ኣንበረ።
ተጸቕጠ፡ ተሰቕየ ድማ፡ ግናኸ ኣፉ ኣይከፈተን። ከም ገንሸል ናብ መሕረዲ ተመርሐ፡ ከም በጊዕ ድማ ኣብ ቅድሚ መላጽታ ድምጺ ኣይገበረትን፡ ከምኡ ድማ ኣፉ ኣይከፈተን።
ካብ ቤት ማእሰርትን ካብ ፍርድን ተወስደ፡ መንከ እዩ ንወለዶኡ ዝነግር፧ ካብ ምድሪ ህያዋን ተቘርጸ እዩ እሞ፡ ብሰሪ ገበን ህዝበይ ተወቕዐ።
መቓብሩ ድማ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ግናኸ ብሞቱ ምስ ሃብታም ነበረ፡ ምኽንያቱ ግፍዒ ኣይገበረን፡ ኣብ ኣፉ ኸኣ ተንኮል ኣይነበረን።
ግናኸ ንእግዚኣብሔር ምድቋሱ ደስ ኣበሎ፡ ኣብ ጓሂ ኣእተዎ። ንነፍሱ መስዋእቲ ሓጢኣት ምስ እትገብር፡ ዘርኡ ኺርኢ፡ መዓልታቱ ኸኣ ኬንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሔር ድማ ብኢዱ ኺሰልጥ እዩ።
ጻዕሪ ነፍሱ ኺርኢ እዩ፡ ኪጸግብ ድማ እዩ። ብፍልጠቱ ጻድቕ ባርያይ ንብዙሓት ኬጽድቕ እዩ፡ ንሱ ንኣበሳኦም ኪጾሮ እዩ እሞ።
ስለዚ ምስ ዓበይቲ ግደ ኽህቦ እየ፡ ምስ ብርቱዓት ድማ ምርኮ ኺማቕል እዩ፡ ምኽንያቱ ንነፍሱ ንሞት ኣፍሰሳ፡ ምስ ገበነኛታት ድማ ተቖጽረ፡ ንሓጢኣት ብዙሓት ድማ ጾረ፡ ምእንቲ ገበነኛታት ድማ ለመነ።





