ብስራት– ሚያዝያ 2020 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ተንሲኡ እዩ!
ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ናብ ስእሊ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ኺሳቐይ ከሎ ዚርኢ ኣብ መስኮት ድኳን ይጥምት ነበረ። ብእኡ ስለ እተዋሕጠ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ጥቓኡ ከም ዘሎ ኣየስተብሃለን።
እዚ ወዲ እዚ ብዛዕባ እቲ ግሩም ፍቕሪ ጐይታ የሱስ እተነግሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ተኻፊሉ ነበረ። የሱስ ንኽብሪ ሰማይ ሓዲጉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸ፡ ከመይ ገይሩ ኸኣ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረን ንሕሙማት ከም ዘሕወየን፡ ገዛ ኸኣ ከም ዘይነበሮ ሰሚዑ ነበረ። እቲ ወዲ ኸኣ ጐይታ ብዝጸልእዎ ኸመይ ገይሮም ከም ዝሰቐልዎን ሓጢኣት ከይገበረ ኸሎ ኸም ገበነኛ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተን፡ ኣዕሩኹ ኸኣ ስጋኡ ኣብ መቓብር ከም ዘንበሩሉን ተማሂሩ ነበረ።
ብሃንደበት እቲ ኣረጊት ሰብኣይ እቲ ወዲ ኺዛረብ ሰምዐ፡ እቲ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሰምዖ ኸኣ ታሪኽ መስቀል ደጊሙ ነገሮ። እቲ ወዲ ኺዛረብ ምስ ወድአ፡ እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ነቲ ስእሊ ብጥንቃቐ እናጠመተ ኸሎ፡ እቲ “ናይ ጥንቲ፡ ናይ ጥንቲ ታሪኽ” ናይ ፍቕሪ መድሓኒ ልቡ ሒዝዎ ኸሎ ኸደ።
ድሕሪኡ ኣብ ቅምብልሹ ሓደ ምጥጣሕ ተሰምዖ። እቲ መንእሰይ ወንጌላዊ ተመሊሱ ነበረ። ናብቲ ስእሊ እናጠቐሰ ኸኣ ብዓብዪ ሓይልን ኣጕልሕን፡ “ሓደ ነገር ድማ፡ ኣቶ – ተንሲኡ እዩ!” በለ። እቲ ወዲ ስራሑ ከም ዝወድአ ዀይኑ ብሃንደበት ኸደ።
እቲ ወዲ ቅኑዕ እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአን ኣብ የማን ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም ዝተቐመጠን ይገልጽ። ነዘን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚኤን ኣስተብህለሉ፦
- ንኣኻትኩም ሞተ፦“ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ሞተ . . . ተቐብረ፡ . . . ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ከምቲ ጽሑፋት ዝብሎ ተንስአ” (1 ቈረ. 15:3-4 NKJV)።
- ተንስአ፦“የሱስ ናዝሬታዊ . . . ተሰቒሉ ተቐትለ፡ ኣምላኽ ግና ንሞት ኬትሕዞ ኣይከኣለን እሞ፡ ንሕማም ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ” (ግብ. 2:22-24)።
- ኣብ ሰማይ ይነብር፦“ንሓጢኣትና ባዕሉ ምስ ኣንጽሀ፡ ኣብ የማን ግርማ ኣብ ላዕሊ ተቐመጠ” (እብ. 1:3)።
- እቲ እንኮ መገዲ ንሱ እዩ፦“ብኻልእ ሓደ እኳ ምድሓን የልቦን፡ ከመይሲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንኽንድሕን ዝኸውን ካልእ ስም ንሰብ ኣይተዋህበን” (ግብ. 4:12)።
ድሕሪ ሕጂ ምዉት መድሓኒ ኣይኰነን፡ የግዳስ ህያው፡ ዝተንስአ መድሓኒ እዩ፡ ናብኡ ንዚመጽእ ዘበለ ኺቕበልን ኬቕርን ድሉው እዩ።
ንሓጢኣትካ ምሕረት ንምርካብ ናብ ክርስቶስ ክትመጽእ ትደሊዶ? ንሱ እንኮ ምድሓንካ እዩ። ስለ ሓጢኣትካ ኸም ዝሞተን ከም ዝተንስአን እመን። ሓጢኣተኛ ምዃንካ ንእኡ ተናዘዝ። ሞቱ ኣብ መስቀል ንኣኻ ተቐበል፡ ሽዑ ኻብ ሓጢኣትካ ኽትድሕንን ናብ ሰማይ ክትከይድን ኢኻ! ዝያዳ ኽንነግረካ ንኽእል ኢና።
እዚ ጽሑፍ እዚ ኻብ ጸጋን ሓቅን
እቲ ናይ ጥንቲ፡ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ንገረኒ፡
ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዘይርአ ነገር፡ብዛዕባ የሱስን ክብሩን፡ብዛዕባ የሱስን ፍቕሩን፡እቲ ታሪኽ ብቐሊሉ ንገረኒ፡
ከም ንእሽቶ ቘልዓ፡ምኽንያቱ ድኹምን ደኺመ ዘለኹን እየ፡ሓገዝ ዘይብለይን ርኹስን እየ። እቲ ናይ ጥንቲ፡ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ንገረኒ፡
እቲ ናይ ጥንቲ፡ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ንገረኒ፡
እቲ ናይ ጥንቲ፡ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ንገረኒ፡ብዛዕባ የሱስን ፍቕሩን። እቲ ታሪኽ ብህድኣት ንገረኒ፡
ብቕንዕናን ብኸቢድ ድምጽን፡እቲ የሱስ ኬድሕኖ ዝመጸ ሓጢኣተኛ ምዃነይ ዘክር፡እቲ የሱስ ኬድሕኖ ዝመጸ ሓጢኣተኛ ምዃነይ ዘክር፡እቲ ታሪኽ ኩሉ ግዜ ንገረኒ፡
ብሓቂ ኽትከውን እንተ ደሊኻ፡ኣብ ዝኾነ ግዜ ጸገም፡መጸናናዒ ንኣይ።—ኬት ሃንኪ (1834–1911)