መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክገብረለይ እዩ?

ነገረ መለኮት·Dec 27, 2022

368 ቃላት
ደርድር: ሓድሽ
ነገረ መለኮት
2 ዝተሓተ ንባብ

ብስራት– ጥሪ 2020 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክገብረለይ እዩ?

እሞ ኸኣ ንርእስኻ ሕቶ ሓቲትካዶ ትፈልጥ? መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክገብረለይ እዩ? ስለምንታይከ ከንብቦ ኣሎኒ ኢልካ ተሓቲትካዶ ትፈልጥ? ቅድሚ ነዚ ሕቶታት እዚ ምምላስና፡ ነዚ ዝስዕብ እስከ ንርአ:

ኣምላኽ ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበና
ኣምላኽ ንሰብ ክዛረቦ ኩሉ ግዜ ፈቲኑ እዩ: “ጸዊዔኩም እሞ ኣበኹም” (ምሳ. 1:24 NKJV).

ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፡ ከም ፈጣሪ መጠን፡ ብፍጥረቱ ገይሩ ናብ ልብና ንምብጻሕ ፈቲኑ እዩ: “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግራ” (መዝ. 19:1)።

ሕጂ ኸኣ፡ ምሳና ንምዝራብ፡ ምሳና ርክብ ንምምስራት፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዘይተርፍ ምሳኡ ዘሎና ኣኼባ ንምድላው (ሮሜ 14:12)፡ ንቓሉ ብመልክዕ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክገብር እዩ
• መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። ዚስዕበኒ ኣብ ጸልማት ኣይከይድን፡ ብርሃን ህይወት ግና ክህልዎ እዩ” (ዮሃ. 8:12) ዝበለ የሱስ ብምፍላጥ፡ ኣብዛ ጸልማት ዓለም እዚኣ መገዲ ብርሃን ክኸውን እዩ (መዝ. 119:105)።

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓዳጊ ከም ዝድለ ከም ዘሎካ ከእምነካ እዩ። ብዙሓት ታሪኻት ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን፡ “ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ስኢኑ እዩ” (ሮሜ 3:23) ዝብል የረጋግጹ።

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ክንደይ ከም ዝፈትወካን እንታይ ከም ዝገበረልካን ከርእየካ እዩ: “ኣምላኽ ግና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሞቱ ፍቕሩ ኣርኣየና” (5:8)።

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ብግሩም ህይወቱ፡ ምእንቲ ሓጢኣትካ ኣብ መስቀል ብዝገበሮ መስዋእታዊ ሞት፡ ካብ ምዉታት ብዝገበሮ ዓወት ትንሳኤ፡ ከምኡ’ውን ከም ሰብ ናብ ሰማይ ብዝገበሮ ክብሪ ዕርገት ከቕርበካ እዩ (1 ቈረ. 15:3-4)።

ከም መድሓኒትካ ጌርካ ክትኣምኖ ትደሊ ኢኻ!

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዘለኣለማዊ ህይወት ከመይ ጌርካ ከም እትረክብ ክነግረካ እዩ: “ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኵሉ ኸይጠፍእ፡ ህይወት ዘለኣለም የሕልፍ እምበር፡ ንእኡ ሃበ” (ዮሃ. 3:16)።

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓሳብ ድሕነት ኣምላኽ እንተ ተቐቢልካ፡ መጻኢኻ ከርእየካ እዩ። ሓደ ምስ የሱስ ዝተሰቕለ ገበነኛ ክድሕን ምስ ለመነ፡ የሱስ፡ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” በሎ (ሉቃ. 23:43)። ከምኡ’ውን፡ ሓደ ክርስትያን ምስ ሞተ፡ “ምስ ጐይታ ይኸውን” (2 ቈረ. 5:8) ይብል።

• መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም ንሓሳብ ድሕነት ኣምላኽ ዝነጽጉ ክጠንቅቖም እዩ: “እቶም ዘይኣምኑ ... ግና ግደኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ” (ራእ. 21:8)።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐይታ ... ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን፡ ኵሉ ናብ ንስሓ ኺበጽሕ እዩ ዚደሊ” (2 ጴጥ. 3:9) ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ኣሎካ። ወንጌል ዮሃንስ ንምጅማር ጽቡቕ ቦታ እዩ። እዚ እንታይ ክገብረልካ እዩ? ንመድሓኒት ከፍልጠካን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሓካን እዩ! ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል ኢና።

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከም ወንጌል ትራክት ካብ ጸጋን ሓቅን