ዝዀነ ይኹን ብሓጢኣት ዝፈረደ
“ዝዀነ ይኹን ንዅሉ ሕጊ ዝሕሉ፡ ኣብ ሓንቲ ነጥቢ ግና እንተ በደለ፡ ብዅሉ ይፈርድ” (ያእቆብ 2፡10)። ናይ ይቕረታ ዝዀነ ይኹን
“ንእኡ (ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ) ዅሎም ነብያት ይመስክሩ፡ ብስሙ ዝኣምን ዝዀነ ይኹን ምሕረት ሓጢኣት ከም ዝቕበል” (ግብሪ ሃዋርያት 10፡43)። ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝዀነ ይኹን
“ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ፈተዋ፡ ንሓደ ወዱ በጃ ሃበ፡ ምእንቲ ዝኣምን ዝዀነ ይኹን ከይጠፍእ፡ ግናኸ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብ” (ዮሃንስ 3፡16)። ናይ ፍርዲ ዝዀነ ይኹን
“ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ሓይሚ ሓዊ ተደርበየ” (ራእይ 20፡15)።
“ብኣፍካ ንጐይታ የሱስ እንተ ተኣመንካ፡ ብልብኻ ድማ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ” (ሮሜ 10፡9)።






