ብስራት– ሓምለ/ነሓሰ 2014 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ብሓዊ ተቓጺሉ!
ኣብ ስኮትላንድ ንዓላማ ክርስቶስ መስዋእቲ ዝኾነ ናይ መወዳእታ ሰብ ዋልተር ሚል ዝተባህለ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ዓመት 1558 ኣብ ኤድንበርግ ብሓዊ ተቓጺሉ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብኽሲ heresy (ናይ ሃይማኖት ስሕተት) መንፈሳዊ ግዴታታቱ ገዲፉ ኺሃድም ተገዲዱ። ግናኸ ብቕልጡፍ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ።
“ኣረኣእያኡ” ኺቕይር ድዩ ኣይፋሉን ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “እቲ ኻብ ድምጺ እቲ ብሩኽ መድሓኒኡ ዝረኸቦ ሰማያዊ ስርዓታት ሓንቲ ቘርጸምርጸም ከይገደፈ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣሽሓት ህይወት ኪኸፍል ይመርጽ” ብምባል ኣይፋሉን ኢሉ መለሰ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብቕልጡፍ ናይ ኩነኔ ፍርዲ ተዋሂብዎ፡ ንጽባሒቱ ንምፍጻም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወስደ።
እዚ ንክርስቶስ ዝኣመነ ጽኑዕ ምእመን፡ ወዲ 82 ዓመት ዝነበረን ኣዝዩ ድኹምን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ድምጹ ኺስማዕ ከም ዘይክእል ተገሚቱ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ናብ ቦታ ምፍጻም ምስ ተወስደ፡ መንፈሳዊ እምነቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ትብዓትን ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ብህድኣት ኣእምሮን ገሊጹ፡ ንጸላእቱ እውን ኣገሪምዎም። ናብቲ መቓጽሎ ምስ ተኣስረን ዕንጨይቲ ምስ ተወልዐን፡ ንተዓዘብቲ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ “እቲ ሎሚ ዝሳቐየሉ ዘለኹ ምኽንያት፡ ንዝኾነ ገበን ኣይኮነን (ምንም እኳ ርእሰይ ድኹም ሓጥእ ምዃነይ እንተ ኣፍቀርኩ)፡ ግናኸ ንሓቂ ከምቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘላ ንምክልኻል ጥራይ እዩ። ብምሕረቱ ገይሩ፡ ንሓቂ ብህይወተይ ከም ዝሕትም ዝጸውዓኒ ኣምላኽ እውድስ። እዚ ድማ፡ ከምቲ ኻብኡ ዝረኸብክዎ፡ ከምኡ ድማ ብፍቓደይን ብሓጎስን ንኽብሩ እውፍዮ። ስለዚ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ክትድሕኑ እንተ ደኣ ኾይንኩም፡ ብሓሶት ናይቲ ጸረ-ክርስቶስ ኣይትታለሉ፡ ግናኸ ካብ ኩነኔ ምእንቲ ኽትድሕኑ፡ ብየሱስ ክርስቶስን ብምሕረቱን ጥራይ ተመኩሑ።” ድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ስኮትላንድ ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ዝሞት ናይ መወዳእታ ሰብ ከም ዝኸውን ተስፋ ከም ዝገብር ወሲኹ ተዛረበ። ከምዚ ገይሩ እዚ ሃይማኖተኛ ክርስትያን፡ ንሓቂ ወንጌል ክርስቶስ ንምክልኻል ህይወቱ ብሓጎስ ሃበ፡ ናይ ሰማያዊት መንግስቱ ተኻፋሊ ከም ዝኸውን ከይተጠራጠረ።
ብጆን ፎክስ (ዝተሰማማዕ)
ገሊኦም ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ብዛዕባ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡መዝሙራዊ ኸምዚ ጸሓፈ፡ “ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ፡ ብዘይ ገበን ጸላእተይ ኰይኖም ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ብርቱዓት እዮም። ... ጸርፊ ልበይ ሰበሮ፡ ኣነውን ብሓዘን መልኤኹ። ዚድንግጸለይ ደለኹ፡ ግናኸ የልቦን፡ መጸናንዕቲውን ደለኹ፡ ግናኸ ኣይረኸብኩን። ንምግበይ መርዛም ሃቡኒ፡ ንጽምኣይ ድማ ሓምጺ ኣስተዩኒ።”—መዝሙር 69:4,20-21 NKJV ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኺሰብኽ ከሎ፡“ግናኸ ኣምላኽ ብኣፍ ኵሎም ነብያቱ፡ ክርስቶስ ኪሰቕይ ከም ዘለዎ ዝነገሮም፡ ከምኡ ገይሩ ፈጸሞ። ስለዚ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰስ፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ድማ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ተነስሑን ተመለሱን።”—ግብሪ ሃዋርያት 3:18-19 ጴጥሮስ ድማ ብዛዕባ ጐይታ የሱስ ኸምዚ ጸሓፈ፡“ክርስቶስ እውን ምእንታና ተሰቕየ። ... ‘ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ኣብ ኣፉ ኸኣ ተንኮል ዘይተረኽበሉ’፡ ምስ ተጸረፈ ኸኣ ብምላሽ ኣይጸረፈን፡ ምስ ተሰቕየ ኸኣ ኣየፈራርሀን፡ ግናኸ ንርእሱ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣሕሊፉ ሃበ። ንሕና ንሓጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ሓጢኣትና ብስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾረ።”—1 ጴጥሮስ 2:21-24 ሎሚ ኣብኡ ክትእመኑ ዲኹም? ከመይ ጌርና ኸም እንነግረኩም ክንነግረኩም ንኽእል ኢና።