ኣገልግሎት– ጥሪ 2012 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
እዚ ሓድሽ ዓመት እዚ...
እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
• የሱስ እንታይ ገበረ፧
ንሱ ንዓይ ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተወኒ፡ ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ኣነ ብእኡ ናይ ኣምላኽ ውርሻ ክረክብ ገበረ።
“ነቶም እተቐበልዎ ዂሎም ግና፡ ነቶም ብስሙ ዚኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም” — ዮሃንስ 1:12 NKJV
• የሱስ እንታይ ይገብር፧
ንሱ ንዓይ ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተወኒ፡ ንዂሉ ሓጢኣተይ – ዝሓለፈ፡ ሕጂ ዘሎን ንዝመጽእን – ዋጋ ከፊሉ፡ ምስኡ ሓድነት ክህልወኒ ኣኽኣለኒ።
“ወዲ ሰብ ኬገልግል እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ ህይወቱውን ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ኺህብ መጸ።” — ማቴዎስ 20:28
• የሱስ እንታይ ኪገብር እዩ፧
ንሱ ንዓይ ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተወኒ፡ ኣብ ሰማይ ንዓይ ቦታ የዳልወለይ ኣሎ፡ ንዓይ ምሳኡ ኪወስደኒ ድማ እንደገና ኪመጽእ እዩ።
“ቦታ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ። ... እንደገና ኽመጽእ እየ፡ ናባይውን ክወስደኩም እየ፡ ኣነ ዘሎኹዎ ኣቱምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልዉ።” — ዮሃንስ 14:2-3
• እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
ብምሉእ ልበይ ክፈትዎ፡ ብፍቓደይ ከገልግሎ፡ ከምኡውን ምስቶም ኣብ ከባቢይ ዘለዉ ክካፈሎም መንገዲ ክደሊ ይግባእ።
“ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ... ክትፈትዎ ኢኻ። ... ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ክትፈትዎ ኢኻ።” — ማቴዎስ 22:37, 39