11 ታሕ 2022
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 12 ታሕሳስ: ዕለታዊ ብርሃን, 12 ታሕሳስ: ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ (ኢሳይያስ 41:10)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንጉስ እስራኤል እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልኪ ኣሎ።
ሶፎንያስ 3:15
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ኢሳይያስ 41:10
ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ። ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።
ኢሳይያስ 35:3–4
እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።
ሶፎንያስ 3:17
ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤ በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ።
ዳዊት 27:14
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ራእይ 21:3–4
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል? ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም።
ዘፀኣት 14:15
ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።
1ይ ዜና 19:13
ሽዑ ናብ ኣምላኽና ፀለና፤ ካብኣቶም ዝተልዓለ ኸዓ ለይትን መዓልትን ዝሕልዉና ሓለውቲ ኣቖምና።
ነህምያ 4:9
ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።
ማቴዎስ 7:21
ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር።
ዮሃንስ 7:17
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ።
ሆሴዕ 6:3
እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን።
ማቴዎስ 26:41
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ።
1ይ ቆሮንቶስ 16:13
ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።
ሮሜ 12:11
ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ። ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ።
ኢሳይያስ 35:3–4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ10 ታሕ 2022
ዮሃንስ 10:29 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
9 ታሕ 2022
ምሳሌ 21:3 · ሚክያስ 6:8
8 ታሕ 2022
ገላትያ 5:13 · ገላትያ 6:1–2
7 ታሕ 2022
2ይ ቆሮንቶስ 5:21 · ኢሳይያስ 53:6
6 ታሕ 2022
ፊልጵስዩስ 2:13 · 2ይ ቆሮንቶስ 3:5
5 ታሕ 2022
ዳዊት 119:71 · ዕብራውያን 5:8


