5 መስ 2023
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 6 መስከረም: ዕለታዊ ብርሃን, 6 መስከረም: ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል።
ሰቆቃወ 3:41
ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጠ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስል መን እዩ? ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንዝተዋረዱ ዝርኢ።
ዳዊት 113:5–6
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ።
ዳዊት 25:1
ኣእዳወይ ናባኻ ዘርጋሕኹ፤ ነፍሰይውን ከም ንቕፅቲ ምድሪ ፀምአትካ። ... ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል። ብኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ኣንጊህኻ ምሕረትካ ኣስምዐኒ፤ ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ ኣለኹሞ፥ እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣፍልጠኒ።
ዳዊት 143:6–8
ምሕረትካ ኻብ ህይወት ይበልፅ እዩሞ፥ ከናፍረይ የመስግናኻ። ከምኡ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸመስግነካ እየ፤ ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ።
ዳዊት 63:3–4
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣንቃዕርር ኣለኹሞ፥ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጕሳ። ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።
ዳዊት 86:4–5
ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ።
ዮሃንስ 14:13
ኣታ ሓላዊ እቲ ለይቲ ክንደይ እዩ?
ኢሳይያስ 21:11
ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ። ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
ሮሜ 13:11–12
“ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨንፈራ ምስ ለምለመ፥ ቈፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዅሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ማቴዎስ 24:32–33, 35
ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ተስፋ ገበርኩ፤ ነፍሰይ ብሕግኻ ተዓገሰት። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ለይቲ፥ ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ተኣመነት።
ዳዊት 130:5–6
እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።
ራእይ 22:20
እምበኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመፀላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።
ማቴዎስ 25:13
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ4 መስ 2023
ሩት 3:18 · ኢሳይያስ 7:4
3 መስ 2023
ዘፀኣት 13:7 · ምሳሌ 8:13
2 መስ 2023
ዳዊት 27:14 · ኢሳይያስ 40:28–29
1 መስ 2023
ገላትያ 5:22–23 · ኢሳይያስ 29:19
31 ነሓ 2023
ሮሜ 5:16 · ኢሳይያስ 1:18
30 ነሓ 2023
ኣስቴር 5:2 · ዘፀኣት 22:27





