18 ታሕ 2023
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 19 ታሕሳስ: ዕለታዊ ብርሃን, 19 ታሕሳስ: ንቕኑዓት ኣብ ፀልማት ብርሃን ወፀ (ዳዊት 112:4)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንቕኑዓት ኣብ ፀልማት ብርሃን ወፀ።
ዳዊት 112:4
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
ኢሳይያስ 50:10
እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
ዳዊት 37:24
ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ።
ምሳሌ 6:23
ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።
ሚክያስ 7:8–9
“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕሙም እንተ ኾይኑ ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን፤ እምበኣር እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ካብ ኮነ፥ ምፅልማቱ ኽንደይ ኮን ይብርትዕ!
ማቴዎስ 6:22–23
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
ኢሳይያስ 40:11
እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን በሎም።
ማቴዎስ 15:32
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን።
ዕብራውያን 4:15
ኢዱ ኸንብረሎም ድማ፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ... ሓቘፎም፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንቢሩ ድማ ባረኾም።
ማርቆስ 10:13, 16
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ።
ዳዊት 119:176
ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።
ሉቃስ 19:10
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:25
“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ሉቃስ 12:32
ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ከውፍረን፥ ባዕለይ ድማ ኸስፍረን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕዝቅኤል 34:15
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 ታሕ 2023
ዳዊት 80:18 · ዮሃንስ 6:63
16 ታሕ 2023
ዮሃንስ 13:1 · ዮሃንስ 17:9–10
15 ታሕ 2023
ገላትያ 6:2 · ፊልጵስዩስ 2:4–5
14 ታሕ 2023
ዳዊት 66:2 · ኢሳይያስ 43:21
13 ታሕ 2023
2ይ ጢሞቴዎስ 2:1 · ቈላስይስ 1:11
12 ታሕ 2023
ሶፎንያስ 3:15 · ኢሳይያስ 41:10




