6 ሓም 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 7 ሓምለ: ዕለታዊ ብርሃን, 7 ሓምለ: ብድሕሪዙይ ድማ መንፈስ [ቅዱስ] ንኢየሱስ (ማቴዎስ 4:1)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ብድሕሪዙይ ድማ መንፈስ [ቅዱስ] ንኢየሱስ፥ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።
ማቴዎስ 4:1
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ። ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ። ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።
ዕብራውያን 5:7–9
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ዕብራውያን 4:15
ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:13
ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:9
ወዲ ሰብውን፥ ... ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ማቴዎስ 20:28
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥ ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ዕብራውያን 9:13–14
ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት።
ኢሳይያስ 53:7
እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንነፍሰይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ ኣሕልፋ። ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ።
ዮሃንስ 10:15, 18
ናይ ስጋ ህይወት ኣብ ውሽጢ ደም እዩ ዘሎሞ፥ ስርየት ሓጢኣት ዝርከብ ከዓ ብደም እዩ፤ ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም።
ዘሌዋውያን 17:11
ብዘይ ምፍሳስ ደምውን፥ ስርየት ሓጢኣት የለንሞ።
ዕብራውያን 9:22
እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ። እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
ሮሜ 5:8–9
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 ሓም 2024
1ይ ዮሃንስ 4:16 · ኤፌሶን 2:4–7
4 ሓም 2024
ዮሃንስ 13:23 · ኢሳይያስ 66:13
3 ሓም 2024
ሮሜ 8:17 · ገላትያ 3:29
2 ሓም 2024
ዘፀኣት 12:43 · ዕብራውያን 13:10
1 ሓም 2024
ገላትያ 5:22 · ኤፌሶን 5:1
30 ሰነ 2024
ራእይ 3:19 · ዕብራውያን 12:5–6





