2 ሓም 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 3 ሓምለ: ዕለታዊ ብርሃን, 3 ሓምለ: እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና
ናይ መዓልቲ ብርሃን
እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ።
ሮሜ 8:17
እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።
ገላትያ 3:29
ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:1
ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ።
ገላትያ 4:7
ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና።
ኤፌሶን 1:5
ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ።
ዮሃንስ 17:24
ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ።
ራእይ 2:26
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’
ራእይ 3:21
ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ፥ ነቲ ብዓለም ሕሱርን።
1ይ ቆሮንቶስ 1:28
እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?
ግብሪ ሃዋርያት 2:7
ክልተ ኣሕዋት፥ ... ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ። ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ።
ማቴዎስ 4:18–19
ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
ግብሪ ሃዋርያት 4:13
ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን። እዙይ ከዓ፥ እምነትኩም፥ ኣብ ሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር፥ ኣብ ጥበብ ሰብ፥ ዝተመስረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 2:4–5
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ ... ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
ዮሃንስ 15:16, 5
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ሓም 2024
ገላትያ 5:22 · ኤፌሶን 5:1
30 ሰነ 2024
ራእይ 3:19 · ዕብራውያን 12:5–6
29 ሰነ 2024
1ይ ዮሃንስ 5:3 · ዮሃንስ 6:40
28 ሰነ 2024
ኢዮብ 19:25 · ሮሜ 5:10
27 ሰነ 2024
ራእይ 6:17 · ሚልክያስ 3:2
26 ሰነ 2024
1ይ ዜና 4:10 · ምሳሌ 10:22






