28 ሰነ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 29 ሰነ: ዕለታዊ ብርሃን, 29 ሰነ: ትእዛዛቱውን ከበድቲ ኣይኮናን (1ይ ዮሃንስ 5:3)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ትእዛዛቱውን ከበድቲ ኣይኮናን።
1ይ ዮሃንስ 5:3
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
ዮሃንስ 6:40
ትእዛዛቱ እንሕሉን፥ ንእኡ ዘሐጕሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ፥ ነቲ ዅሉ እንልምኖ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:22
ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”
ማቴዎስ 11:30
“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።
ዮሃንስ 14:15
እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።”
ዮሃንስ 14:21
እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ። መንገዳ መንገዲ ሓጐስ እዩ፤ ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ።
ምሳሌ 3:13, 17
እቶም ንሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፤ ዘዕንቅፎምውን የለን።
ዳዊት 119:165
ኣብ ውሽጠይ፥ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደስ ይብለኒ እዩ።
ሮሜ 7:22
ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን።
1ይ ዮሃንስ 3:23
ፍቕሪ፥ ንብፃዩ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ፥ መፈፀሚ ሕጊ እዩ።
ሮሜ 13:10
ኦ ጐይታ፥ ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ሓጢኣተይን በደለይን ኣይትዘክሮ።
ዳዊት 25:7
ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ።
ኢሳይያስ 44:22
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
ኢሳይያስ 43:25
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ኢሳይያስ 1:18
ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኤርሚያስ 31:34
ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።
ሚክያስ 7:19
ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ኢሳይያስ 38:17
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ ... ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ሚክያስ 7:18
ካብ ዮሃንስ፥ ናብተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመፅእን፥ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን፥ ካብቲ ኻብ ሞት ብምትሳእ በዅሪ ዝኾነን፥ እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና።
ራእይ 1:5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ27 ሰነ 2024
ራእይ 6:17 · ሚልክያስ 3:2
26 ሰነ 2024
1ይ ዜና 4:10 · ምሳሌ 10:22
25 ሰነ 2024
1ይ ዮሃንስ 3:2 · ዮሃንስ 1:12
24 ሰነ 2024
ዘሑልቍ 10:33 · ዳዊት 31:15
23 ሰነ 2024
ዮሃንስ 14:16–17 · ዮሃንስ 16:7
22 ሰነ 2024
ቈላስይስ 3:3 · ሮሜ 6:2






