25 ሰነ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 26 ሰነ: ዕለታዊ ብርሃን, 26 ሰነ: በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ (1ይ ዜና 4:10)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ... ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
1ይ ዜና 4:10
በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።
ምሳሌ 10:22
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ።
ኢዮብ 34:29
ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ።
ዳዊት 3:8
ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ፥ ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ?
ዳዊት 31:19
ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ።
ዮሃንስ 17:15
“ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ። ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ።
ማቴዎስ 7:7–8
እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይቢዘው፤ ኵሎም ብእኡ ዝኣምኑ ኣይናስሑን።
ዳዊት 34:22
እዛ ለይቲ እዚኣ፥ ብኣኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ስለ ዘውፅኦም፥ ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት እያ።
ዘፀኣት 12:42
ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ። ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
1ይ ቆሮንቶስ 11:23–25
ተንበርኪኹ የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።
ሉቃስ 22:41, 44
ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ... ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ። መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ ... ኣብኡውን ሰቐልዎ።
ዮሃንስ 19:14, 16–18
በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ። ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ።
1ይ ቆሮንቶስ 5:7–8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ24 ሰነ 2024
ዘሑልቍ 10:33 · ዳዊት 31:15
23 ሰነ 2024
ዮሃንስ 14:16–17 · ዮሃንስ 16:7
22 ሰነ 2024
ቈላስይስ 3:3 · ሮሜ 6:2
21 ሰነ 2024
1ይ ጴጥሮስ 2:21 · ማርቆስ 10:45
20 ሰነ 2024
ዘፀኣት 2:9 · ማቴዎስ 20:4
19 ሰነ 2024
ዕብራውያን 12:14 · ዮሃንስ 3:3





