ሓደ ዓርከይ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ መስከረም ዘጋጠመ ሓዘንተኛ ፍጻመታት እናተዛረበ: ንሓደ ሰብ ምሉእ ድሕነት ከቶ ክውሕስ ዝኽእል ኣገባብ የለን በለ።
ንዓርከይ: ንሱ ድማ ኣዝዩ ተጨኒቑ ነበረ: ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘለኣለማዊ ድሕነት ናይቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ምሉእ ምትእምማን ከም ዝህብዎ ነገርክዎ።
ከም ምእመን መጠን ንስኻ: ተሰሪኻ (1 ዮሃንስ 2:12፤ ቈሎሴ 1:14, 2:13) ድሒንካ (ኤፌሶን 2:8, 2 ጢሞቴዎስ 1:9, ቲቶስ 3:5) ጸዲቕካ (ግብሪ ሃዋርያት 13:39, ሮሜ 3:24, 1 ቈረንቶስ 6:11) ዘለኣለማዊ ህይወት ኣሎካ (ዮሃንስ 3:36, 5:24, 6:47) ብመንፈስ ቅዱስ ተሓቲምካ (ኤፌሶን 1:13, 4:30)
ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ሓንቲ እኳ ንምትእምማንካ ከይተንቀጥቅጥ: ከመይሲ እዚኣቶም ከምቲ ዝገልጾም ቃል ርግጽ እዮም። ጸላኢ ነፍሳትና: ሰይጣን: ጌጋ ትምህርቲ: ጥርጣረ: ከምኡ’ውን ምኽንያት የቕርብ:
“እወ: ኣምላኽዶ በለ?” (ዘፍጥረት 3:1)።
መንፈስ ቅዱስ ንቐሊል እምነት: ብጸሎት ብቓል ኣምላኽ ምእማን የበረታትዕ።
እምበኣር እቲ ጐይታ ኣብ ዮሃንስ 10:27-29 ዝበሎ ንርአ:
“ኣባጊዔይ . . . ከቶ ኣይጠፍኡን እዮም”።
ከም ኣባጊዑ መጠን: ድሕነትና ናይቲ ጓሳን ሓላዊ ነፍሳትናን (1 ጴጥሮስ 2:25) ሓላፍነት ጥራይ እዩ።
ኣብ ፍቕዲ 28 ናብቲ “ከቶ” ዝብል ቃል ክስሕበኩም እፈቱ። ብግሪኽኛ: እዚ ቃል እዚ ዝበለጸ—ብዕጽፊ ዝያዳ ሓይሊ ዘለዎ እዩ።
እቲ ኣባጊዕ ከቶ ከም ዘይጠፍኡ ዝእውጅ: ንቐጻሊ ናብ ምጥፋእ ዘለዎም ዝንባለኦምን ንዝነኣሰ ሓደጋ ዘለዎም ፍርህን ድኻምን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ። ይኹን እምበር: ኣብ ዮሃንስ 5:24: እቲ ንኣኦም ፍርዲ ኣምላኽ ዝተጻወረ: ከቶ ናብ ፍርዲ ከም ዘይመጹ የረጋግጸሎም: “ሓደ እኳ ኸኣ ካብ ኢደይ ኪምንጥሎም ኣይክእልን እዩ።” ኣባጊዕ ክንደይ ድሑናት እዮም! ሓደ እኳ ጸላኢ ኣብኡ ኺበጽሖም ኣይክእልን እዩ። ብኢድ እቲ ኩሉ ዝኽእል መድሓኒኦም ዝተታሕዙን ዝተሓዝኡን ጽቡቓት ኣባጊዕ ጥራይ ኣይኮኑን። ኩሎም ኣባጊዕ ብመለኮታዊ ሓይሊ ብማዕረ ይሕለዉ፤ ኩሎም ብማዕረ ድሑናት እዮም። “እቲ ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ” (ፍ. 29)። ምእመናን ናይ ኣቦ ንወዲ ዝሃቦም ህያብ እዮም። እዚ ሓቂ እዚ ባዕሉ ንትንሳኤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዝተዋህበ የረጋግጽ (ዮሃንስ 6:37, 39, 40፤ 17:24)። “ሓደ እኳ ኸኣ ካብ ኢድ ኣቦይ ኪምንጥሎም ኣይክእልን እዩ።” ኣብ ኢድ ወዲ (ፍ. 28) ከምኡ’ውን ኣብ ኢድ ኣቦ (ፍ. 29) ኢና። “ብሓይሊ ኣምላኽ ዝተሓለዉ” 1 ጴጥሮስ 1:5።
ስለዚ ዘለኣለማዊ ድሕነትና ካብ ናትና ዝበለጸን ዝሓየለን ኢድ ኣሎ።
ርክብን ባህርይን
“ግን ባህርየይ ኣብ ርክበይ ምስኡ ጽልዋ ኣለዎዶ? ሕማቕ ባህርየይ ድሕነተይ ከጥፍኣኒ ይኽእልዶ?” ዓርከይ ሓተተ።
ርክብና ዘለኣለማዊ እኳ እንተኾነ: ባህርይና ግን ብዙሕ ግዜ ይቕያየር።
በዚ ክልተ ፍሉያት ሓቅታት እዚ ኩሉ ውሉድ ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጦ ይግባእ: ከመይሲ ንመንፈሳዊ ምርድእናን ሓጐስናን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ርክብና ምስ ኣምላኽ ከም ውሉዳቱ ዘይቅየር እዩ። ተፈጥሮኣዊ ልደት ውሉድ ወለድካ ይገብረካ።
እቲ ርክብ ዘለኣለማዊ እዩ። ጽቡቕ ባህርይ ብባህርይ ነገራት ከየበርትዖ: ወይ ድማ ውድቀት ከየዳኽሞ ኣይክእልን። እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ንዘለኣለም ይነብር (1 ዮሃንስ 3:9)። ሓንሳብ ውሉድ ኣምላኽ ምስ ኮንካ: ውሉዱ ምዃንካ ከተቋርጽ ኣይትኽእልን። “ንዝተቐበልዎ ዅሎም ግና: ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም” ዮሃንስ 1:12, 1 ዮሃንስ 3:2።
ከም ውሉድ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝበለ ብሩኽ ርክብ ዘይበቅዕ ባህርይ: ንስምዒታት ብርግጽ የበላሽዎ: ከምኡ’ውን ንሓጐስ ድሕነት ንግዜኡ የጥፍኦ፤ ግን እቲ ርክብ ይኹን እቲ ድሕነት ክጠፍእ ኣይክእልን። ምምልካት ጐይታ የሱስ ምስ ኣቦ (1 ዮሃንስ 2:1) ከምኡ’ውን ጸሎት ጐይታ የሱስ ንሓደ ንርእሱ ዝተኣማመነ ደቀ መዝሙር እኳ (ሉቃስ 22:31, 32) እቲ ዘይተሰብረ ርክብ ንምምላስ ዘይኮነስ: ንሕብረትን ንምጥፋእ ሓጐስን ንምምላስ እዩ ነይሩ። ዳዊት ድሕሪ ሓጢኣቱ: ንምምላስ ድሕነት ዘይኮነስ: ን“ሓጐሱ” እዩ ጸልዩ (መዝሙር 51:12, 23:3)። ወለዲ ንሓደ ሕማቕ ዝገብር ውሉድ ከዐርይዎ ኣለዎም—ግን ንሱ ገና ውሉዶም እዩ!
ጽቡቕ ባህርይ ንድሕነት ምሕላው መገዲ ከም ዘይኮነ: የግዳስ ሓደ ሰብ ከም ዝደሓነ መርኣያ ምዃኑ ዘክር።
ስለዚ: ዓርከይ...
ኣብ ኢዱ ኢኻ: ብሓያል ሓይሉ ድማ ተሓሊኻ። ከቶ ኣዒንቱ ካባኻ ኣየውጽእን: ከቶ ካብ ኢዱ ኣየውጽኣካን እዩ፤ የፍቅረካን ክሳዕ መወዳእታ ድማ ይሕልወካን።
ክንደይ ከም ዝደኸምካ: ሓንቲ እኳ ጽብቕቲ ነገር ኣባኻ ከም ዘይትነብር (ሮሜ 7:18) ከም ዝምህረካ ይገብር ይኸውን። ይገንሕን ይቀጽዓካን ይኸውን (እብራውያን 12:5-11) ግን ኩሉ ግዜ የጸናንዓካን የበረታትዓካን። ፍቕሩ ዘይድክም እዩ። ምስ ወሰደካ: ኣይሓድገካን እዩ: ግን ብዘሎ ተጻራሪ ነገር ብድሕንነት የሕልፈካ፤ ከመይሲ ድሕነት ካብ ፈለማ ክሳዕ መወዳእታ ናይ ጐይታ እዩ።
ሕጂ: ኣብ ዓለም ዘላ ኣየነይቲ ኩባንያ ድሕነት እያ ከም ድሕነት ናይቲ ጽኑዕ ኢዱ ዝበለ መጠን ድሕነት ከተቕርብ እትኽእል?
ከቶ ከም ዘይጠፍኡ ከም ዝበለ ዘክር።






