22 ሰነ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 23 ሰነ: ዕለታዊ ብርሃን, 23 ሰነ: ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ (ዮሃንስ 14:16–17)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር ... ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ።
ዮሃንስ 14:16–17
ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።
ዮሃንስ 16:7
ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
ሮሜ 8:16
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ሮሜ 8:15
መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና።
ሮሜ 8:26
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።
ሮሜ 15:13
እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
ሮሜ 5:5
እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 4:13
ፅቡቕ ክኾነልኪ ዕረፍቲዶ ኣይደልየልክን እየ?
ሩት 3:1
እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።
ዕብራውያን 4:9
ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
ኢሳይያስ 32:18
ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤ እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።
ኢዮብ 3:17
ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ።
ራእይ 14:13
ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።
ዕብራውያን 6:20
“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ። ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”
ማቴዎስ 11:28–30
ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ኢሳይያስ 30:15
እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፤ ዘስእነኒውን የለን። ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ፤ ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ።
ዳዊት 23:1–2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ21 ሰነ 2024
1ይ ጴጥሮስ 2:21 · ማርቆስ 10:45
20 ሰነ 2024
ዘፀኣት 2:9 · ማቴዎስ 20:4
19 ሰነ 2024
ዕብራውያን 12:14 · ዮሃንስ 3:3
18 ሰነ 2024
ዘፀኣት 25:21–22 · ዕብራውያን 9:8
17 ሰነ 2024
ፊልጵስዩስ 4:6 · ዳዊት 116:1–2
16 ሰነ 2024
ኤፌሶን 5:15–16 · ኢያሱ 22:5






