25 ሕዳ 2024
ዕለታዊ ብርሃን, 26 ሕዳር: ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ (ኢሳይያስ 62:4)
ዕለታዊ ብርሃን
ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ።
ኢሳይያስ 62:4
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል ... ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ኢሳይያስ 43:1
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ። እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ፤ ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም።
ኢሳይያስ 49:15–16
ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ።
ዳዊት 37:23
ደስታይ ከዓ ብደቂ ሰብ ነበረ።
ምሳሌ 8:31
እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርሕዎን፥ በቶም ብምሕረቱ ዝእመኑን ይሕጐስ።
ዳዊት 147:11
“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።
ሚልክያስ 3:17
ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም። ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።
ቈላስይስ 1:21–22
ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 7:10
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ።
2ይ ሳሙኤል 17:23
ንዝተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል?
ምሳሌ 18:14
ኣብ ገለዓድዶ ዝልከ ፈውሲ የለን እዩ? ኣብኡኸ ሓኪምዶ የለን እዩ? ጓል ህዝበይ ደኣ ስለ ምንታይ ዘይተፈወሰት?
ኤርሚያስ 8:22
ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ... ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ። “እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም።
ኢሳይያስ 61:1–3
“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ። ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”
ማቴዎስ 11:28–30
ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ።
ግብሪ ሃዋርያት 8:35
ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።
ዳዊት 147:3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ24 ሕዳ 2024
ሉቃስ 8:21 · ዕብራውያን 2:11–12
23 ሕዳ 2024
ምሳሌ 1:33 · ዳዊት 90:1
22 ሕዳ 2024
ይሁዳ 20 · ዮሃንስ 4:24
21 ሕዳ 2024
ዮሃንስ 6:37 · ዘፀኣት 22:27
20 ሕዳ 2024
ሚክያስ 7:8 · ኢሳይያስ 43:2–3
19 ሕዳ 2024
ማቴዎስ 7:20 · 1ይ ዮሃንስ 3:7





