4 ታሕ 2024
ዕለታዊ ብርሃን, 5 ታሕሳስ: ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ
ዕለታዊ ብርሃን
ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።
ዳዊት 119:71
ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።
ዕብራውያን 5:8
ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ፥ ምስቲ ኣባና ኽግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ኽብሪ እንትነፃፀር፥ ከም ዘይመጣጠን እቘፅሮ ኣለኹ።
ሮሜ 8:17–18
ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ። ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤ ካብኡውን ኣየግለስኩን።
ኢዮብ 23:10–11
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ። ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ። “እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ።
ዘዳግም 8:2, 5–6
ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ።
1ይ ሳሙኤል 2:9
ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ። ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ... በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ።
1ይ ሳሙኤል 17:45, 49–50
ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን። እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።
ዳዊት 33:16, 18
ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤ ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤ ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ።
1ይ ዜና 29:12
ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:9–10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ3 ታሕ 2024
ኢዮብ 5:8 · ዘፍጥረት 18:14
2 ታሕ 2024
1ይ ዮሃንስ 2:20 · ግብሪ ሃዋርያት 10:38
1 ታሕ 2024
ኢሳይያስ 32:2 · ዕብራውያን 2:14
30 ሕዳ 2024
ራእይ 1:4 · ፊልጵስዩስ 4:7
29 ሕዳ 2024
ዳዊት 65:4 · ዳዊት 27:4
28 ሕዳ 2024
ያእቆብ 2:26 · ማቴዎስ 7:21





