17 ታሕ 2024
ዕለታዊ ብርሃን, 18 ታሕሳስ: እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን
ዕለታዊ ብርሃን
እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።
ዕብራውያን 4:16
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:6–7
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ሮሜ 8:15
ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ።
ኢሳይያስ 45:19
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥ ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ዕብራውያን 10:19–22
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ዕብራውያን 13:6
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።
ዮሃንስ 8:32
ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
2ይ ቆሮንቶስ 3:17
እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ሮሜ 8:2
ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
ዮሃንስ 8:36
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር፥ ደቂ እታ ባርያ ኣይኮንናን።
ገላትያ 4:31
ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
ገላትያ 2:16
እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።
ያእቆብ 1:25
ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
ገላትያ 5:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ16 ታሕ 2024
ዮሃንስ 13:1 · ዮሃንስ 17:9–10
15 ታሕ 2024
ገላትያ 6:2 · ፊልጵስዩስ 2:4–5
14 ታሕ 2024
ዳዊት 66:2 · ኢሳይያስ 43:21
13 ታሕ 2024
2ይ ጢሞቴዎስ 2:1 · ቈላስይስ 1:11
12 ታሕ 2024
ሶፎንያስ 3:15 · ኢሳይያስ 41:10
11 ታሕ 2024
ሮሜ 14:16 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:22
