ኦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንስምካ ምንኣድ ንፈቱ፤ ጽቡቕነትካ ምዝካር ሓድሽ ሓጐስና እዩ። ንልብናን ንዓይንናን ዚመልእ ሓደ ጥራይ ዚምጥጥ መዝገብ ንጸላእቲ ኺመውት ዝመጸ ፍቕሪ እዩ።
ኦ! ካብ ኵሉ ምግላጽን ካብ ኵሉ ፍልጠትን ሓሳብን ዚበልጽ ፍቕሪ፡ ንስኻ ኦ ብሩኽ መድሓኒ፡ ካብ ሰማይ ናባና ዘምጻእካዮ! ብኣኻ ንኣምላኽን ንሰብን ሓደ ኾይኖም ንርኢ፤ ስለዚ ሓይልን ዘይተወሰነ ፍቕርን ብኣኻ ተዋሃሂዶም ይርኣዩ።
ሓይሊ ፈጣሪ ንስምካ ኽብሪ ይህብ፤ ፍቕሪ መድሓኒ ንስምካ ኹሉ ክብሪ ይውስኸሉ፤ ፈጣሪን መድሓኒን፡ ኵሉ ዚኽእል ጐይታን መድሓኒን፡ ዘድሓነና ሓይልን ፍቕርን ንዘለኣለም ይምለኽ። — ስሙ ዘይተገልጸ





